መንእሰይ ሃይለ ግርማይ ሃይለ ኣብ ውድድር ስነ-ፍልጠት

Radio Erena: Monday, 04 December 2023

መበቆሉ ኤርትራዊ ዝኾነ ወዲ 15 ዓመት ሃይለ ግርማይ ሃይለ ኣብ ከተማ ባንጎክ – ታይላንድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ውድድር ስነ-ፍልጠት (Olympiad) ይወዳደር ኣሎ::

ኣብ ኬንያ ተወሊዱ ኣብ ጋና ዝዓበየን ሕጂ ድማ ኣብ ዚምባብዌ ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ሃይለ ንሃገረ ዚምባብዌ ብምውካል ኣብቲ ካብ ባሕቲ ክሳብ 10 ታሕሳስ ዝካየድ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ::

ውድድር ኦሎምፕያድ ትሕቲ 15 ዓመት መንእሰያት ኮተቴ ዝሳተፍዎ ኮይኖም ኣብ ዓውድታት ፊሲክስ: ኬሚስትርን ባይሎጅን ማለት መጽናዕትታት ነገራት: ቀመማት ሂወታውያንን ዘጠቓለለ እዩ::

መንእሰይ ሃይለ ግርማይ ሃይለ ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣብ መጽናዕቲ ስነ-ፍልጠት ፍቕሪ ክምዝሓደሮ ብምግላጽ ኣብቲ ውድድር ባንዴራ ኤርትራ ከንበልብል ምኳኑ ይገልጽ::

ውድድር ኦሎምፕያድ ኣብ መንጎ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ብሉጻት ኣካዳማውያን ተመሃሮ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ ኣብ 2004 ኣብ ኢንዶኔዥያ ከተማ ጃካርታ ጀሚሩ:: ዕዉታት ድማ ልክዕ ከም ውድድር ኦሎምፒክ ንገዛእ ርእሶምን ሃገሮምን ሜዳልያ ይሽለሙ::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ተሸመ ኪዳነ 11 months ago

    ጽቡቕ ዕድል!!!!