ንጁባን ካምፓላን ኣብ ዘራኽብ መንገዲ ኒሙለ፣ ብሰንኪ ሓደጋን መጥቃዕቲ ዕጡቓትን ሓያሎ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 08 September 2016

Nimule

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ካብ ጁባ ናብ ካምፓላ ኣብ ልዕሊ እትመርሕ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካምፓላ ሓቢሮም።

ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ’ውን ኣፍሊጦም።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብቲ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ነጋዶን ተጓዓዝትን ብብዝሒ ዝመላለስሉ ዕሙር መስመር ጁባ- ኒሙለ ከምዝተፈጸመ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እንተኾነ ኣብቲ ብሰንበት ወጋሕታ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ሰባት መንነት ኣይተነጸረን።

ንከተማታት ጁባን ካምፓላን ዘራኽብ መስመር ኒሙለ፣ ምስ ስርቅን ክትራንን ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ነጋዶን ተራ ተጓዓዝትን ከምዝቕተሉ ጸብጻባት ፖሊስ እቲ ከባቢ የመልክት።

ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ጸጥታ ናይቲ ዕሙር ናይ ንግዲ መስመር ንምውሓሱ ብሓባር ክሰርሓ ‘ኳ እንተተሰማምዓ፣ ዛጊት ጸጥታኡ ምሉእ ብምሉእ ከውሕሰኦ ግና ኣይከኣላን።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብቲ መስመር  መስከረም ክልተ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡስሳት ብምግጫወን፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 10ታት ከኣ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0