መንነቶም ዘይተነጸረ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ባንክ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ኣዋህሊሎም ምህላዎም ተቓሊዑ

መንነቶም ዘይተነጸረ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ባንክ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ኣዋህሊሎም ምህላዎም ተቓሊዑ

Radio Erena: 10 February 2015

HSBCbank

መንነቶም ዘይተነጸረ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ባንክ HSBC ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ውህሉል ገንዘብ ከምዘለዎም ተቓሊዑ።

ምስጢር ዓማዊልን ዘዋህለልዎ ብዝሒ ገንዘበን ናይቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ HSBC ዝተባህለ ባንክ ተቓሊዑ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ መዛረቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብቲ ባንክ ብብዝሒ ተዋህሊሉ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራ ኣብ መበል 53 ተሰሪዓ።

ብመሰረት እቲ ተቓሊዑ ዘሎ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ባንክ ካብ ዘለዋ ዝርዝር ናይ 203 ሃገራት፣ ዓማዊል ኤርትራ ኣብቲ ባንክ ኣዋህሊሎሞ ብዘለዉ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ መበል 53 ደረጃ ክስርዑ ዝኸኣሉ 699.6 ሚልዮን ዶላር ብምውህላል’ዩ።

 

ኣብዚ ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ 699.6 ሚልዮን ዶላር ዘዋህለሉ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ምዃኖም እቲ ተቃሊዑ ዘሎ ሰነድ ናይቲ ባንክ እኳ እንተረጋገጾ፣ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም 32 ኤርትራውያን ዓማዊል ናይቲ ባንክ ግና ኣይተነጸረነ።

 ሓደ ካብዞም ኤርትራውያን ዓማዊል 450 ሚልዮን ዶላር ክህልዎ እንከሎ ሓደ ካልእ ድማ 90 ሚልዮን ዶላር ኣዋህሊሉ ይርከብ።

እቶም ዝተረፉ 30 ኤርትራውያን ዓማዊል ድማ ብድምር 155 ሚልዮን ዶላር ኣብዚ ባንኪ’ዚ ኣዋህሊሎም ኣለዉ።

ኣብ ቢሻ ዝፈሪ ዘሎ ወርቂ ዝበዝሐ ክፋሉ ናብ ስዊዘርላንድ ዝልኣኽ ምስ ምዃኑ፣ ኣብዚ ባንኪ’ዚ ብስም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ትካላት ህግደፍን ዝተዋህለለ ገንዘብ ክህሉ ከምዝኽእል ጥርጣረታት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ሓደ ዜጋ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 200 ዶላር ዘይሓልፍ ክነሱ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ 32 ዓማዊል ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ባንክ ክውህለል ምኽኣሉ፣ ምስዚ ናይ ወርቂ እቶትን ብልሽውና ሰበ ስልጣን መንግስትን ዝተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

ኣብዚ ባንክ’ዚ ብብዝሒ ተዋህሊሉ ብዘሎ ገንዘብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ክኢላ ኣላ።

መብዛሕቶም ወነንቲ ናይቲ ገንዘብ ሰበ ስልጣን መንግስትን ፍሉጣት ሰባትን ምስ ምዃኖም፣ ብፍላይ እቲ ናይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ብልሽውና ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ንብልሽውና ዝቆጻጸር ኣህጉራዊ ትካል ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣሚቱ።

ኣብዚ ባንኪ ዓማዊል ኣዋህሊሎሞ ብዘለዉ ብዝሒ ገንዘብ ቀዳማይቲ ስዊዘርላንድ ብ31.2 ቢልዮን ዶላር፣ ካልኣይቲ ብሪጣንያ ብ21.7 ቢልዮን ዶላር፣ ሳልሰይቲ ቬኔዙዌላ ብ14.8 ቢልዮን ዶላር፣ ራብዓይቲ ኣመሪካ ብ13.4 ቢልዮን ዶላር ሓሙሽተይቲ ድማ ፈረንሳ ብ12.5 ቢልዮን ተሰሪዐን ኣለዋ።

ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ HSBC ኣብ ብሪጣንያ ዝመበቖሉን ኣብ ልዕሊ 84 ሃገራት ተዋፊሩ ዝነጥፍን ባንክ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 60 ሚልዮን ዓማዊል ኣለውዎ።

ብብዝሒ ዓማዊል ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ሲዘርላንድ ዝርከብ ባንክ HSBC ከኣ ካብ 203 ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 111 ተሰሪዓ ትርከብ።

እዚ ተቓሊዑ ዘሎ ሰነደ ካብ 1981 ክሳብ 2006 ዓመት ምሕረት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ዘጠቓልል ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ይዝርጋሕ እኳ እንተሎ፣ ካብ 2006 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ውህሉል ገንዘብን ብዝሒ ዓማዊልን ካብዚ ዘለዎ ዛይዱ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0