መንነቱ ዘይተነጸረ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል ሞይቱ ተረኺቡ

መንነቱ ዘይተነጸረ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል ሞይቱ ተረኺቡ

Radio Erena: 11 April 2016

hanged

እቲ ብ4 ሚያዝያ፡ ኣብ ተል ኣቪቭ ጎደና ኪቡጽ ጋልዮት፡ ጥቓ ኣደራሽ ፓናሮማ ሞይቱ ዝተረኸበ ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ዓመት ዝርከብ መንእሰይ፡ ንኣማውታኡ ብዝምልከት ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ክሳዱ ገመድ ኣትይዎ ኣብ ትሕቲ ገረብ፡ ተንበርኪኹ’ኳ እንተተረኸበ፡ እቶም ነቲ ኩነታት ዝረኣይዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ንኣማውታኡ ዝምልከት ንጹር መረዳእታ ከም ዘይብሎምይገልጹ እቲ ዝተሓንቀሉ ገመድ ኣዝዩ ነዊሕ ብምንባሩ፡ ናብ ባይታ ክወርድን ክንብርከኽን ከም ዝገደዶ ይገልጹ፡፡

ይኹን’ምበር፡ ብሰብ ተቐቲሉ ድዩ ናብቲ ቦታ ተወሲዱ ወይስ ባዕሉ ነብሱ ኣጥፊኡ ዝተፈለጠ ክንጸር ኣይከኣለን።

ሬሳ እቲ መንእሰያ ዝተረኽበሉ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብእንዳ ቺክቻክ ዝጽውዕዎ፣ ከባቢ እንዳሳዕሪ ኮይኑ፣ መዓልታዊ ኣስታት 10ታት ኤርትራውያን ስራሕ ከናድዩ ኣብቲ ቦታ ዘወን ከምዝብሉ ይፍለጥ።

ሬሳ እቲ ኤርትራዊ ፈለማ ዝረኣዮ ሱዳናዊ ስደተኛ ፣ ንካልኦት ኤርትራውያን ሓውኹም ተሓኒቑ ኣሎ ክብል ከምዝሓበሮም’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና እስራኤል የረድእ።

 

ፖሊስ ካብ ኤርትራውያን ድሕሪ ዝበጽሖም ሓበሬታ፣ ንሬሳ እቲ መንእሰያ ወሲዶም ምጽራይ ይግብርሉ እኳ እንተለዉ፣ መንነቱ ብንጹር ክሕብሩ ስለዘይክኣሉ ግና ናይ ቀረባ ቤተ ሰበ ናይቲ ኤርትራዊ ንምርካብ ኣጸጊሙ ኣሎ።

ፖሊስ እስራኤል፣ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ከይመጸ መንነቱ ክንገልጽ ኣይንኽእልን ዝብል መልሲ’ዮም ዝህብሉ። ሓያሎ ኤርትራውያን

======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0