መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኮኒኑ

Radio Erena: 05 October 2022

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝኹንን ኣውጺኡ።

እቲ ካብታ ኣብ ብህግደፍ እትመሓደር ዘላ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ተፈልዩ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ኣህጉረ ስብከታት፣ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኩናት ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብ ለካቲት 25, 2021 ‘ውን “ኲናት ሰብ እዩ ዝቕለብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተቓውሞኡ ገሊጹ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

እታ ስደት እትርከብ ቤት ከርስትያን፣ ኣብ መግለጺኣ፣ “ሕጂውን ደጊምና፣ ነቲ ሰብ ዘጽንት ዘሎ ከቢድ ኲናት፥ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያንን ንጹሓት ዜጋታት ዘብጽሖ ዘሎ ጥፍኣትን ቅትለትን ብትሪ ንውግዝ ኣሎና።” ኢላ።

ብክልቲኡ ወገን፥ ኣሕዋትን ኣሓትናን፥ ስድራ ቤቶም ሓዲጎም፥ ኣብ ከቢድ ሞትን ስንክልናን ዝወድቁ ዘለዉ በቲ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ፈተና፥ ሓዘን ይስምዓና፡ ዝበለተ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ነቶም ዝሰንከሉ ምሕረት፥ ነቶም ዝዓረፉ ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ክትብል ናብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኲናትን ህልቂትን ብህጹጽ ደው ክብልን ብሰላማውን ብሕጋውን መንገዲ መዕረፊ ኪግበረሉ ብምጽዋዕ ድማ፣ ጻውዒቶም ፈጣሪ መታን ክሰምዖ፣ ንኣመንታ ናይ ጾሙን ጸሎትን መደባት ሰሪዓ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0