መበል 90 ዓመት ልደቱ ዝጸንበለ ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ኣብ 2025 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 April 2023

ንካሜሩን ን40 ዓመታት ዝመርሐን ዝሓለፈ ወርሒ መበል 90 ዓመት ልድቱ ዝጸንበለን፣ ፕረዚድንት ፓል ቢያ፣ ኣብ 2025 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣሚተን።

ብህይወት ካብ ዘለዉ ዝሸምገሉ መራሕቲ ሃገራት፣ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ ፕረዚደንት ቢያ፣ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ክሳተፍ እንተወሲኑ፣ ክሳብ 97 ዓመት ዕድሚኡ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ።

ፓል ቢያ፣ ንመበል 90 ዓመት ልደቱ፣ ኣብ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝሕዝ ዘመናዊ ኣዳራሽ፣ ብሙዚቃን ዝተፋላለየ ምርኢታትን’ዩ ጸንቢልዎ።

ድሕሪ እቲ ጽንበል፣ ደገፍቱ ገና ኣብ ስልጣን ክቕጽል ድሌት ከምዘለዎም ክምነይሉ እንከለዉ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመት ካልእ መራሒ ርእዮም ዘይፈልጡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግና ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለም፣ ን43 ዓመታት ስልጣን ብምብሓቱ፣ ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ፣ ወዲ 80 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴድዮር ኦብያንግ’ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ መበል 90 ዓመቱ ዝጸንበለን እቲ ዝሸምገለን መራሒን ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፓል ቢያ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ብምንዋሕ ዕድመ ስልጣን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ደርጃ ሒዙ ዝርከብ፣ ንኮንጎ ብራዛቪል ን38 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 78 ዓመት፣ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ራብዓይ ኣሎ።

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ፣ ኣብ 1986 ስልጣን ካብ ወለዱ ተረኪቡ ስዋዚላንድ ንእትብሃል ዝነበረት ሃገረ ኤስዋቲኒ ን36 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ፣ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ’ውን ብፕረዚደንት ኡጋንዳ ብሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ተበሊጹ ሓሙሻይ ደረጃ ይሕዝ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሕዎ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0