መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ይጽንበል ኣሎ

Radio Erena: 21 May 2023

24 ግንቦት፣ መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይጽንበል ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ከም ናይ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎም’ዮም ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽንት ኤርትራ ዝዝክርዋ ዘለዉ።

በዞም ብስም ‘ደገፍት ህግደፍን ተቓወምቲ ወይ ድማ ደልይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሎም ዝጽንብልዋ መዓልቲ ናጽነት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ‘ዮም ዝህብዋ ዘለዉ።

ይኹን’ምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና፣ ንኩሉ እትሓቁፍ’ያ ክብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶታቶም ይህቡ።

ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብውሑዳት ተጨውዩ ዝርከብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምስሊ’ዛ ዕለት ደዊኑዎ እኳ እንተሎ፣ ብመሪር ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ዝተረኽበ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ‘ዮም ዘዘኽእኽሩ።

ካልኦት ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ ናይ ሓቂ ናጽነቱ ረኺቡ ክበሃል ከምዘይክእል ኣገንዚቦም።

እንተኾነ እዛ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታት ናጽነት ዝተኣወጀላ መዓልቲ፣ ብዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ደኣምበር፣ ብውሑዳት ሕድሪ ብጾቶም ዝጠለሙ ክትግለጽ ከምዘይግባእ ብምኽንያት እዛ ዕለት፣ ዝውሕዝ ዘሎ ርእይቶታት የረድእ።

ኣብ ናጻ ኤርትራ፣ ሓርነትን መሰል ዜጋታት ውሑስ ክኽውን እንተኾይኑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፣ ንለውጢ ድሉው ክኸውን ክጽዕርን ከምዝግብእ እቲ ርእይቶታት የተሓሳስብ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0