መበል 30 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

መበል 30 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 24 January 2018

AU

መበል 30 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ክሳብ 29 ጥሪ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዘተኩረሎም ዓበይቲ ኣጀንዳታት ነዛ ኣህጉር ረሚሱ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውና’ዩ።

እቲ ዋዕላ፣ ምዕዋት ቃልሲ ኣንጻር ሽበራ፣ ውሑስ መንገዲ ንምስግጋር’ዩ ብዝብል ጭርሖ’ዩ ብወከልቲ ኤርትራ ናይ እትርከበን 55 ሃገራት ብሰኑይ 22 ጥሪ ተኸፊቱ።

እቶም ኣምባሳደራትን ወከልትን ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣፍሪቃ ጽላታት ሕርሻ፣ መጓዓዝያን ሳይንስን ቴክኖሎጅን በጺሓቶ ዘላ መድረኻት ገምጊሞም።

ኣብ 28ን 29 ጥሪ ኣብ ዝካየድ መዛዘሚ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ 10ታት መራሕቲ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ ትጽቢት ኣሎ።

 

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0