መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክቐውም ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 October 2019

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲትን መራሒ ተቓወምቲ ሬክ ማቻርን ዝተሰማምዕሉ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ 12 ሕዳር ክቐውም ትጽቢት ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቀጥታዊ ርክባቶም ብተደጋጋሚ ክሰናኸል ዝጸንሐ ክልቲዕእም ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣካል ድሕሪ ምዝታዮም፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም’ዮም ተሰማሚዖም።

እንተኾነ፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም፣ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ክሰናኸል ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታንተናቶም ይህቡ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ክሳብ 12 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ እንተዘይክኢሎም፣ ኣመሪካ እገዳ ከተንብር ምዃና ኣጠንቒቑ።

ኣመሪካ ነዚ መጠንቀቕታ ተውጽእ ዘላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ፣ ቤት ምኽሪ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተጋብኣሉ ዕለት’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ ናይ ኢጋድ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ተዘራሪባ’ያ።

እንተኾነ፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ካብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጉዳያት ቦኺሩ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ’ውን ኣይተሳተፈን።

ኣብ 2011 ከም ሃገር ዝቖመት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 8 ዓመታት፣ ብዝተወልዐ ግጭት፣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ከምዝሃለቑን፣ ሚልዮናት ድማ ካብ መናብርኦም ከምዝተመዛበሉን ይጥቀስ።

ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝተኻየደ ሓያሎ ናይ ሰላምን ስምምዕ ዘተ፣ ፍረ ከይተረኽቦ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ቅድሚ ካብ ስልጣን ምእላዉ ዝወሰዶ ሃድሽ ተበግሶ፣ ዝሓሸ ኣንፈት ሂቡ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0