መሰረታዊ ናይ መግቢ ረድኤትን ህጹጽ መድሃኒታትን ዝጸዓና 47 መካየን ናብ ትግራይ ተበጊሰን

Radio Erena: 15 April 2022

መሰረታዊ ናይ መግቢ ረድኤትን ህጹጽ መድሃኒታትን ዝጸዓና 47 ዓበይቲ መካይን፣ ካብ ክልል ዓፈር ናብ ትግራይ ከምዝተበግሳ ውድብ መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እተን መካይን፣ ትማሊ 14 ሚያዝያ፣ ናብ ትግራይ ከምዝተበገሳ ዝግለጽ ዘሎ፣ ጽባሕ’ቲ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ከባቢታት ዓፈር ከምዝሰሓቡ ምስ ሓበሩ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኵናት ደው ከምዘበለ ድሕሪ ምግላጹ፣ ሓይልታት ትግራይ’ውን ነቲ ውሳኔ ብእወታ ብምቕጻል ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስዱ’ዮም ሓቢሮም።

እንተኾነ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ካብ ዝእወጅ ኣስታት ሓደ ወርሑ ተቓሪቡ፣ ናብ ትግራይ ካብ ጽዕነት 30 መካይን ዝሓልፍ ረዲኤት ክኣቱ ኣይከኣለን።

ሓይልታት ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ክእቱ ዘይክኣለሉ መንግስቲ ብዝፈጥሮ ዘሎ መሰናኽል ምዃኑ ክጠቕሱ እንከለዉ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ እንተኾይኑ ሓይልታቶም ካብ ክልል ዓፈር ክስሕቡ ይጠልብ ምህላዉ ክስማዕ ጸኒሑ።

ምብጋስ ናይተን 47 መካይን፣ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ግና መዓልታዊ ረዲኤት ዝጸዓና ኣማኢት መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለወን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0