ብሪጣንያ: ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከምእትልእኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 15 April 2022

ብሪጣንያ ብመንገዲ ኢንግሊሽ ቻነል ባሕሪ ተሳጊሮም ንዝኣትዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ ክትልእኽ ክትጅምር ምኳና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቦሪስ ጆንሶን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ እቶም ናብ ርዋንዳ ዝለኣኹ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብታ ሃገር ክርአ ምኳኑን፣ እቶም ዑቕባ ዘውህብ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎም ሂወቶም ክመርሑ ሓገዝ ክግበረሎም እዩ።

እቶም ብቑዕ ምኽንያት ዘይብሎም ተመምዮም ኣብ ርዋንዳ ብከመይ ክናበሩ ምኳኖም ግን ኣይተገልጸን።

መንግስቲ ርዋንዳ ብወገኑ እቶም ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎም ጥራይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ምኳኑ ‘ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ኣምሳያኡ ርዋንዳ ስለቲ እትገብሮ ምትሕብባር ካብ ብሪጣንያ 120 ሚልዮን ፓውንድ (157 ሚልዮን ዶላር) ክትቅበል እያ። እቲ ገንዘብ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ሞያዊ ስልጠናን ካልእን ከምዝዕል ተጠቒሱ።

ቀድማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፣ ሂብዎ ብዘሎ መግለጺ፣ ካብ ጥሪ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣትሒዞም ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ ክለኣኹ እዮም።

እቲ እማመ፣ ከም ፖሊሲ ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ክስርሓሉ፣ ናይ ባይቶ ፍቓድ ዝጽበዮ ኮይኑ: ብዝሒ ስደተኛታት ንምግታእ እቲ እንኮ ኣማራጺ ከምዝኾነ ‘ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ብሪጣንያ፣ ባሕሪ ተሳጊሮም ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ኣሽሓት ስደተኛታት እቶም 7 ካብ 10፣ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሜኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እቶም ናብ ርዋንዳ ክመጹ ዝብሃሉ ዘለው ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ብሞንጎኝነት ውዕል ጀኔቫ ድዮም ክመጹ ወላስ ብስምምዕ ብሪጣንያን ርዋንዳን ጥራይ? ብስምምዕ 2ተ ሃገራት ጥራይ እንተኾይኑ ከምዞም ካብ እስራኤል መጺና ኣብ ርዋንዳ ድከትና ንሰቲ ዘለና ዕጫና ከይገጥሞም፥ ኣድራሸኦም ስደደላይ፥ ቅድሚ ናብ ርዋንዳ ምምጸኦም ምኽሪ ክንህቦም።