”መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣይቅየርን’ዩ” ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዘይቅየር ኣፍሊጡ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ፓርላማ እታ ሃገር ብሓደ ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ናብ ኣስመራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ ከምዝደሊ ምግላጹ፣ ናይ ፖሊስ ምቅይያር ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ’ዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ብኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፣ እቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓቆፈ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ዝተነድፈ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከምዘይቅየር ኣረጋጊጹ።

    ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብቲ ምስ ማዕከናት መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ ብዛዕባ እዚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀዚራ ዝሃቦ ሓበሬታ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ምንጩን ዕላምኡን ካበይ ምዃኑ ስለእንፈልጥ፣ ኣብቲ ዘዳለውዎ ድራማ ኣይንዋሳእን ክብል፣ ነቲ ሓሳብ ነጺግዎ’ዩ።

    ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ንኽትስሕብ  ሓሙሽተ ነጥባታት ዘለዎ ቅድመ ኩነት ብምቕራባ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ኣይከኣለን።

    ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ነጥበታት ድማ፣ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ክፋል መሬት ቅድሚ ምስሓባ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዉ ዝርርብ ክካየድ’ያ ትሓትት ዘላ።

    መንግስቲ ኤርትራ ድማ በንጻሩ፣ ኢትዮጵያ ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ከይስሓበትን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ባይታ ከይተተግበረን ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነይ ዝርርብ ከምዘይህሉ ደጋጊሙ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0