መ.ኤርትራ፣ ኣብ ዋጋታት ኣገልግልት ወደብ ምትዕርራይ ይገብር

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዋጋታት ኣገልግልት ወደብ ምትዕርራይ ይገብር ኣሎ።

    እቲ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ዝግለጽ ዘሎ ዋጋታት ኣገልግሎታት ወደብ፣ ብደረጃ ሃገርት ዝካየድ ንዘሎ ምንቕስቓስ ወፍሪ ንነጋዶን ኣውፈርትን ንምትብባዕ ተባሂሉ’ዩ።

    ብመንጽር እዚ ድማ ድማ ታሪፍ ናይቲ ንሰድድ ይኩን ንእታው ዝስላዕ ዝነበረ ዋጋታት በብደረጁ ካብ 25 ክሳብ ኣስታት 50 ሚእታዊት ከምዝጎደለ’ዩ ዝንገር።

    ብፍላይ ካብ ወጻኢ ኣቝሑ ንዘእትዉ ይዅን ናብ ወጽኢ ኣቝሑ ንዝልእኩ፣ ዋጋታቱ ዘይቅረብ ኮይኑ ዝጸንሐ ታሪፍ ኣገልግሎት ወደብ፣ በዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ ምትዕርራይ ንነጋዶ ተስፋ ሂቡ’ኣሎ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ሬድዮ ኤረና ብተኸታታሊ ኣብ ዝቐረበ ንኣገልግሎታት ወደብ ኤርትራ ዝምልከት መደብ ኣተኩሮ ኣብ ቁጠባ፣ ኣገልግሎታት ወደባት ከይተጻፈፈን ኣህጉራዊ መለክዒታት ከይሓዘን ወፍርን ንግድን ኤርትራ ክበራበር ዘይሕሰብ ምዃኑ ተግሊጹ’ዩ።

    ወፍርን ንግድን ኤርትራ ንምዕባይ፣ መንግስቲ ኤርትራ እዚ ብእውጁ ከተግብሮ ምዃኑ ገሊጽዎ ዘሎ ምትዕርራይ ታሪፍ ወደባት ጥራይ ዘይኮነ ንጹርን ተሕእታትነት ዘለዎ ፖሊሲታት ቁጠባ፣ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን’ውን ከተግብር ከምዘለዎ ኣብቲ ብተኸታታሊ ዝቐረበ መደብ ኣተኩሮ ኣብ ቁጠባ ብዝርዝር ተገሊጹ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0