መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ክወዳደር ምዃኑ ተረጋጊጹ

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ክወዳደር ምዃኑ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 31 July, 2014

merhawi 2

ተቐዳዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኩቤካ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፡ ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 14 መስከረም 2014 ኣብ ዝካየድ፡ ኣህጉራዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቮልታ ስጳኛ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ።

መርበብ ሓበሬታ ፕሮሳይክሊንግስታትስ ብብእዋኑ ኣስማት ኣብ’ቲ ዓቢ ውድድር ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ኣብ ትዝርገሓሉ ዘላ እዋን፡ ስም መርሃዊ ቅዱስ ኣብ’ቲ ዝወጸ ዝርዝር ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ደቂ ጋንትኡ ተጠቒሱ ኣሎ።

 

ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኩቤካ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ኣብ ውድድር ቮልታ ስጳኛ ሱታፊኣ ምስ ኣረጋገጸት፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዶውግ ራይደር፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ’ቲ ውድድር ክስለፍ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ እዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ብወገኑ፡ ደረጃ ብደረጃ ክዓቢ ስለዝደሊ ነዚ ዓመት ኣብ ውድድር ቮልታ ስጳኛ ክሳተፍ ከምዘይደሊ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንጋንትኡ ከምዝምልከት ከምዝገለጸ ይዝከር።

ኣብ 2012 ምስ ኣውስትራልያዊት ክለብ ኦሪካ-ግሪንኤጅ ኮይኑ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ዝተወዳደረ ኣባል ኤም.ቲ.ኤን. ኩቤካ፡ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ናትኤል ብርሃነን፡ ሎሚ ዓመት ንክለቦም ወኪሎም ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ውድድር ዝሳተፉ እንተደኣ ኮይኖም ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክፍለጥ እዩ።

ውድድር ቮልታ ስጳኛ ምስ ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢታልያን ዝስራዕ ናይ ግራንድ ቱር መለክዒ ዘለዎ ቅድድም ኮይኑ፡ 21 መድረኻት ይሽፍን።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0