ብሪጣንያ 15 ‘ኤርትራውያን ኢና’ ዝበሉ ስደተኛታት ቀይዳ

ብሪጣንያ 15 ‘ኤርትራውያን ኢና’ ዝበሉ ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 01 August, 2014

Bri Hom

ፖሊስ ብሪጣንያ፣ ዶብ ፈረንሳ ሰጎሮም ዝኣተዉ 15 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትያ።

እቶም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 3 ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 15 ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ብሪጣንያ ከተማ ሪዲንግ’ዮም ተታሒዞም።

ፖሊስ ብሪጣንያ ንጉዳይ እቶም ስደተኛታት የጻርዩ ከምዘሎ ብምሕባር እቶም ክልተ ትሕቲ ቆልዑን ድማ ናብ ዝከታተሎም ትካል ተወሲዶም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ብሪጣንያ ዶብ ፈረንሳ ሰጊሮም ንዝኣተዉ ስደተኛታት ንምግታእ ተሪር ናይ መቖጻጸሪ መስርሕ ኣታኣታትያ እኳ እንተላ፣ ሳሕቲ ስደተኛታት ናይ ምስጋር ዕድል ከምዘለዎም’ዩ ዝግለጽ።

 

ኣብታ ምስ ብሪጣንያ እተዳውብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ናብ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ከምዘለዉ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ዝኣትዉ ኣዝዮም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሓቱ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0