መራሕትን ወከልትን ሃገራት ዓለም ዝሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

መራሕትን ወከልትን ሃገራት ዓለም ዝሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 15 July 2015

Addis Confe

መራሕትን ወከልትን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት ኣብ ኢትይጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ካብ 13 ክሳብ 16 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ኮይኑ፣ ኣብ ዓለም ምዕሩይን ውሕሱን ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ምውላን ምሕደርኡንን ብምትዃር’ዩ ዝዝቲ ዘሎ።

ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሽዱሽተ ቀዳማይ ሚኒስተራት፣ ሸውዓተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተራትን ሰለስተ ምክትል ፕረዚደንትን ዝርከብዎም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወከልቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ማሕበራትን ይሳተፉ ምህላዎም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ንመግለጺ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ሙሉጌታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበረሉ።
===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0