ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena: 15 July 2015

Lib100

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጥሒሎም።

10 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ትሪፑሊ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ቱጁራ ናይ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ጥሒሎም ዝተረኽቡ ኣስታት 100 ስደተኛታት ዜግነቶም ኣይተሓበረን።

ኣስታት 100 ዝተኣከበ ሬሳ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ሊብያ ድማ ቆልዓ ሰበይቲ ከምዝርከብዎም ገሊጾም።

 

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ካብ ዝተበግሱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1900 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0