መራሕቲ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 15 June 2020

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን፣ ዘተ ኣካይዶም።

እቶም መራሕቲ፣ ትማሊ 14 ሰነ ኣብ ጂቡቲ ዘካይድዎ ዘተ፣ ብዘይካ’ቲ መራሕቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቕርራብ ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ኣብ ውህደትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምድና ምስ ኤርትራን ብምትኳር’ውን ዘትዮም’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ተበግሶ፣ ክዕወት ከምዘይክኣለ ኣቐዲሙ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።

መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኸተምሉ ስሉሳዊ ዝምድና፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ከምዘይተጸንበሮ ይዝከር።

ኤርትራ ግንቦት 2008፣ ኣብ ዶባት ጂቡቲ መጥቃዕቲ ብምክያድ ሓያሎ ወትሃደራት ከምዝማረኸትን እንተኾነ ድሕሪ ናይ ንዊሕ እዋን ክሕደት ንኣርባዕተ ጥራይ ብህይወት ከተረክቦም ምኽኣላን’ዩ መንግስቲ ጂቡቲ ዝወቅስ።

መንግስቲ ጂቡቲ ካብ ዝማረኾም 20 ኤርትራውያን፣ ሓደ ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ማእሰርቲ ክመውት እንከሎ እቶም ዝተረፉ 19 ግና ብመንገዲ ቀይሕ መስቀልን ትካላት ስደተኛታትን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ካናዳ ከምዝተጣየሱ ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ቲ ምስ ጂቡቲ ዝተኻየደ ኵናት ዝርዝራዊ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ኤርትራ ንምሩዃት ጂቡቲ ጥራይ ዘይኮነ ንገዛእ ምሩዃቱ ከምዝኸሓደ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን ንምቕርራብ ዝዓለመ ፍሉይ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነይ ገበየሁን ዝርከቦም ወከልቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ተሳቲፎም።

እዚ ብመንጎኝነት መራሕቲ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝተኻየደ ፈተነታት፣ ንክልቲኦም ወገናት ንምቕርራብ ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፣ ነታ ካብ 1991 እትሒዛ ካብ ሶማል ብምንጻል ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ተመሊሳ ናብ ሶማል ንኽትጽንበር ዝእንፍት እማመታ ከምዘይነበሮ ተሓቢሩ።

ሶማልን ሶማሊላንድ፣ ብሰንኪ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንዝርከብ ወደብ በርባራ ንምምሕዳር ሒዛቶ ዘላ መደብ’ውን ኣብ ምስሕሓብ ከምዝርከባ ይፍለጥ።

ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ሶማል ምዃና’ዩ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጠቕስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0