መራሕቲ ጂቡቲን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ኣብ ህሉው ኩነታት’ቲ ዞባ ዘትዮም

Radio Erena: 13 August 2020

ፕረዚደንት ሰይድ ዓብዱላሂ ዳኒ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ጂቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ምስ ሰለስተ ሚኒስተራት ተሰንዩ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባ ዘትዮም።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ባይቶ ሶማል፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ካብ ስልጣኑ ምስጓጉ፣ ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ምስጓግ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕጋዊ ኣይኮነን ክትብል ተቓዋሞ ኣስሚዓ’ያ።

ጂቡቲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳራትን ፈደራላዊ መንግስትን ዘሎ ምርሕሕቕ ንምቅርራብ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ንፕረዚደንታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ብኣካል ከምዘራኸበቶም ይዝከር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0