ሃገራዊ ባይቶ ቻድ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ፕረዚደንት፣ ናይ ፊልድ ማርሻል ማዕረግ ሂቡ

Radio Erena: 12 August 2020

ሃገራዊ ባይቶ ቻድ፣ ነታ ሃገር ን30 ዓመታት ንዝመርሐ ፕረዚደንት እድሪስ ደቢ፣ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ – ፊልድ ማርሻል ሂቡዎ።

እቲ ባይቶ፣ ነቲ ፕረዚደንት ናይ ፊልድ ማርሻል ማዕረግ ዝሸለሞ፣ ብኣጋጣሚ’ቲ ትማሊ ሰሉስ 11 ነሓሰ ዝተጸንበለ መበል 60 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር’ዩ።

“ፕረዚድንት ደቢ፣ ምስሊ ቻድ’ዩ” ክብል ኣፈኛ ባይቶ፣ ሃሩን ካባዲ ኣብቲ ናይ ሽልማት ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ወዲ 68 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ፣ ንውልቀመላኺ እታ ሃገር ነበር ሓሰን ሃብረ ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ መራሒ ተራ ዝተጻወተ’ዩ።

ይኹን’ምበር ንሱ’ውን ንምልካዊ ስርዓት ሓሰን ሃብረ ብጎነጽ ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ 1990 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ን30 ዓመታት ስልጣን ብደሞክራስያዊ መስርሕ ከሰጋግር ኣይከኣለን።

እቲ ፕረዚደንት ኣንጻር ኣኽረርቲ ሽበራውያን ጉጅለታት ንዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ንምምጓስ፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ከምዝሃቦ ናይ መንግስቲ መደበራት ዜና ኣቃሊሐን።

ሓንቲ ካብ ድኻታት ዓለም ዝኾነ ቻድ፣ ኣብ 1960’ያ ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ተጎናጺፋ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ጸጥታዊን ወትሃደራውያን ዓቕሚ እታ ሃገር ብፈረንሳ ከምዝድገፍ ይንገረሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0