መራሕቲ ክልቲኤን ሱዳን፣ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ምስሕሓባት ንምፍታሕ ዘትዮም

መራሕቲ ክልቲኤን ሱዳን፣ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ምስሕሓባት ንምፍታሕ ዘትዮም

Radio Erena: 03 November 2017

kiir and albeshir

መራሕቲ ክልቲኤን ሱዳን፣ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ምስሕሓባት ንምፍታሕ ዘተ ከምዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ብሮቡዕ 1 ሕዳር ኣብ ካርቱም ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምምሕያሽ፣ ገና መዕለቢ ዘይረኸቡ ጉዳያት ምፍትሖም ኣብ ዝብል ነጥቢ ተመያይጦም።

ሱዳን ምስ ጎረቤታ ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ዘሰሓሕብ ጉዳያት ንምፍታሕ ቅርብቲ ከምዘላ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት በሺር፣ እዚ ድማ ንመስርሕ ክልትኣዊ ዝምድና ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተፈልያ ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ናብታ ሃገር ክበጽሕ እዚ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ።

ብዘይካ’ቲ ዘሰሓሕበን ዶባዊ ጉዳያትን ዋንነት ናይ ነዳዲ ቦታታትን፣ ክልቲኤን ሃገራት ብምሕብሓብ ተቓወምቲ ሓድሕደን ከምዝወቓቐሳ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0