መራሕቲ ክልቲኤን ሱዳናት ዘሰሓሕብ ዶብ ንምምልካት ክሰርሑ ተሰማሚዕም

መራሕቲ ክልቲኤን ሱዳናት ዘሰሓሕብ ዶብ ንምምልካት ክሰርሑ ተሰማሚዕም

Radio Erena: 06 November 2014

Alsalva

መራሕቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንምምልካት ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ኣብ ካርቱም ወግዓዊ ኦኡደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ሓባራዊ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ከማዕብሉን፣ ተቓወምቲ ሓድሕድ ካብ ምድግጋፍ ድማ ክቑጠቡን’ውን ተረዳዲኦም።

 

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ መራሕቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ይኩን ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓያሎ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ክልትኤን ሱዳናት ይግምግሙ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ነቲ ምስ ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካይዶ ዝነበረ መስርሕ ዘተ ሰላም ድሕሪ ምድስካሉ’ዩ ምስ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ንምዝርራብ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ ዕለት ኣትሒዙ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዝተላዕለ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ 2012’ውን ናብ ወትሃደራዊ ግጭት ከምዘምርሐ ዝዝከር’ዩ።

ሓደ ካብቲ ኣውራ ዘሰሓሓበ ክፋል ዶብ፣ ዒላታት ነዳዲ ዝርከቦ ከባቢታት ሄግሊግ’ዩ።

ኣብ ሓመለ 2011 ናጽነታ ብወግዒ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ብግዳማውን ውሽጣውን ጸቕጥታት እትሕመስ ዘላ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃደሰት ሃገር’ያ።

እዚ’ከምዚ ሉ እንከሎ፣ ናይ ካርቱም ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ጁባ ዝምለስ ዝነበረ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ናብ ነፋሪት እናተሰቕለ እንከሎ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ናብ ጁባ ዝተመልሰሉ ሰዓታት ከምዝተደናጎየ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ከምዝወደቐ እኳ እንተተሓበረ፣ ሰበ ስልታን መንግስቲ እታ ሃገር ግና ዝኾነ ጥዕናዊ ጸገም ከምዘይብሉ’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ሳልቫ ኪር፣ ኣብ እግሪ መሳልል እታ ነፋሪት ተዓንቑፉ ከምዝወደቐ ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ድማ፣ ዓጀብቱ ብኡ ንብኡ ናብ መኪና ብምእታው ከምዝመለስዎን ብሰንኩ ድማ ናብ ጁባ ዝምለሰሉ ሰዓታት ከምዝተደናጎየን ይጠቕሱ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን’ውን እቲ ፕረዚደንት ዝምለሰሉ ሰዓታት ከምዝተደናጎየ እኳ እንተረጋገጸ፣ ጠንቂ እቲ ምድንጓይ ግና ቴክኒካዊ ምኽንያት’ዩ ክብል’ዩ መግለጺ ሂብሉ።

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን’ውን፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ዝወደቐሉ ኣጋጣሚ ይስእሉ ንዝበሩ ጋዜጠኛታት ካሜራታቶም ብምምንጣል ንስእልታቶም ከምዝደምሰስዎ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0