መራሕቲ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

መራሕቲ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 18 December 2018

Issias and Al nahyan

መራሕቲ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ካብ ኣቡዳቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ትማሊ 17 ታሕሳስ ናብ ኣቡዳቢ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሕቡራት ኢማራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዮም ዘትዮም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ዘካየደቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ንወደብ ዓሰብ ከም ናይ ሎጂስቲክ መናሃርያ ትጥቀመሉ ከምዘላ ይፍለጥ።

ቀንዲ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ምዃኑ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0