ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለውይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለውይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 19 December 2018

Ethio UAE FMs

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘምርሐ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብታ ሃገር ዑደት ኣብ ዘካየደሉ ዕለት’ዩ።

ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ውጸኢ ኣህጉራዊ ምትሕጋዝን ሸኽ ዓብደላ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ብምርኻብ፣ ኣብ ምቁጽጻር ገበናት ፊናንስን ካልእን ምስ ንግዲ ዝተኣሳሰሩ ጉኣዳይትን ከምዝተመያየጠ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዘለዋ ጽልዋ እተስፋሕፍሕ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተጀመረ ሰላም፣ ከም መንጎኛ ብምዃን ትዋሳእ ከምዘላ ይፍለጥ።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0