መራሕቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቅርራብ ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ

መራሕቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቅርራብ ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ

Radio Erena: 21 March 2019

መራሕቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቅርራብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዝፈሸለ ተሓቢሩ።

እዚ ብዝተፈላለዩ መንግስታት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ ምቅርራብ ፈተነ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት፣ ብዝርዝር ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ሒዝዎ ዘሎ፣ “ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ሉኣላዊት ሶማል’ያ” ዝብል ተሪር መርገጺ፣ ነቲ ምቅርራብ ዓንቂፉ ከምዘሎ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብወገኑ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ‘ተን ብብሪጣንያን ኢጣልያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሶማሊላንድን ሶማልን ዝነበረ መግዛእታዊ ዶብ ከክኽብር’ዩ ዝጽውዕ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ናብ ሶማሊላንድ ዘካየድዎ ምብጻሕ’ውን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ናይ ምቅርራብ ተበግሶ ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ።

መራሕቲ ሶማልን ሶማሊላንድን፣ ን19 መጋቢት ኣብ ጋና ክራኸቡ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ዝገለጹ ምንጭታት ዜና እቲ ከባቢ ድማ፣ እቲ ርክብ ክካየድ ከምዘይክኣለ ኣመልኪቶም።

ድሕሪ ምውዳቕ መራሒ ሶማል ነበር ሲያድ ባረ ኣብ 1991፣ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር ብምምስራት ካብ ሶማል ተፈንጪለን ይርከባ።

እንተኾነ እዘን ርእሰ ምምሕዳራት፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት የብለንን።

ሶማል፣ ብፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ኢጣልያን ተጓዛዝያ ትግዛእ ምንባራ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0