መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ከሰሓሕቦም ኣብ ዝጸንሐ ጉዳያት ዘትዮም

Radio Erena: 21 July 2021

መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ከሰሓሕቦም ኣብ ዝጸንሐ ጉዳያት ፍርያት ነዳዲ፣ ንግድን ወፍርን ብዝምልክተ ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ወሽመጥ ሓቢረን።

ወራሲ ዓራት ኣቡ ዳቢ፣ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናይህያን፣ ብ19 ሓምለ ናብ ሪያድ ከምዝኣተወ ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ፣ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ከምዘካየዱ ጠቒሰን።

መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፣ ድሕሪ’ቲ ዘተ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ሓው መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ስትራቴጅያዊን ሕውነታውን ዝምድናታት እዘን ክልተ ሃገራት ብዝያዳ ዝዓምቖሉ ነጥብታት ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጡ።

እዘን ኣብ ኵናት የመንን ንቀጠር ኣብ ከበባ ንምእታውን ብልፍንቲ ክሰርሓ ዝጸንሓ ክልተ ሃገራት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዘን፣ ብጉዳይ ፍርያት ነዳዲ ክሰሓሓባ’የን ተራእየን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ማሕበር ኣፍርየቲ ነዳዲ ብምዃን ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርብ ነዳዲ ክውስኽ ክትጠልብ እንከላ፣ ስዑዲ ዓረብ ክትቃወሞ ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተገብረ ምርድዳእ፣ ስዑዲ ዓረብ’ውን ነቲ ብማሕበር ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝቀረበ እማመ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔ’ዚ ድማ፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ከሰሓሕቦም ኣብ ዝጸንሐ ነጥብታትን መጻኢ ዝምድናታቶምን ብዝምልከት ንምዝታይ ኣብ ሪያድ ርክብ ኣካይዶም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0