መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ሓባራዊ ስትራቴጅያዊ ሽርክና ዘተኮረ ስምምዓት ኣካይዶም

Radio Erena: 07 October 2016

Alsisi Albeshir

መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብ5 ጥቅምቲ ብ ካይሮ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምትሕግጋዝ ዘኽእለን ሓባራዊ ኮምተ ከምዘቖማ ዝፍለጥ’ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዲጋ ንምህናጽ ዝተበገሰትሉ እዋን፣ ግብጽን ሱዳንን ምስቲ ጉዳይ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተማ ይዝከር።

እዚ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተኸተም ስምምዓት ከኣ፣ ኣብ ንግዲ፣ ላዕለወኣይ ትምህርትን ካልእ መዳያትን ኣብ ምትሕግጋዝን ንዝያዳ ስትራቴጅያዊ ሽርክና ምትብባዕን ዝብል’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሱዳንን ቻድን ንዕማም እቲ ኣብ ዶባተን ዘቖምኦ ልፍንታዊ ሰራዊት ዝግምግም ኣኼባ የካይዳ ኣለዋ።

እቲ ብ5 ጥቅምቲ፣ ኣብ ካርቱም ዝፈለመ ኣኼባ፣ ብሚኒስተር ምክልካል ክልቲኤን ሃገራት’ዩ ዝምራሕ ዘሎ።

ልፍንዊ ሰራዊት ሱዳንን ቻድን ኣብ ዶባ ካብ ዝዋፈር ሽዱሽተ ዓመታት ዘቑጸረ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ሽበራን ካልእን ኣብ ጸጥታ ዶብ ዘተኮረ ንጥፈታትን ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ’ዩ ዝንገረሉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0