መራሕቲ ሕቡራት ኢማራትን ሱዳንን ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም

Radio Erena: 23 February 2017

Bashir in UAE

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን፣ ምስ ወራስ ዓራትን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፣ ኣብ ኣቡዳቢ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን የመንን ዘትዮም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ቁጠባውን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት- ዋም ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ዓረብ ከምዝተዘራረበ’ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ናብ ሕቡራት ኢማራት ምብጻሕ ክፍጽም እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

ሱዳን፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲን ብምድጋፍ፣ ኣስታት ሓደ ስሕ ሰራዊት ናብ የምን ድሕሪ ምልኣኻ፣ ካብዘን ክልተ ሃገራት ናይ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን ቁጠባዊ ሓገዝን ይግበረላ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጥራይ ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 11 ቢልዮን ፕሮክት ክህልወኣ እንከሎ፣ ካዝና ሱዳን ንምጥንካር፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘቐመጠት ይዝከር።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0