ፕረዚደንት ሶማል ሓድሽ ቀ/ሚ መዚዙ፣ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ስዑዲ ኣምሪሑ

Radio Erena: 24 February 2017

King Salman

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ መሓመድ፣ ፋርማጆ፣ ፈላሚ ወግዓዊ ዑደቱ ብስዑዲ ዓረብ ፈሊሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ወከልቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ22 ለካቲት ወግዓዊ ጽምብል ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻም’ዩ፣ ንጽባሒቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ፣ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሶማልን ብዝምልከት ጉዳያት ብምዝርራብ፣ ስዑዲ ከተበርክቶ ብዛዕባ እትኽእል ቁጠባውን ልምዓታውን ሓገዛት ዘትዮም።

እቲ ናይ ሶማልን ኣመሪካን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ናብ ስዑዲ ቅድሚ ምጋሹ ናይ ሶማልን ነርወይን ድርብ ዜግነት ንዘለዎ ሓሰን ዓሊ ካይረ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክኸውን መዚዝዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ሓሰን ዓሊ ካይረ ኣቐዲሙ ሰራሕተኛ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ብሪጣንያን (ሶማን) ሓላፊ ማሕበር ስደተኛታት ነርወይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝነበረ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0