መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ ጸጥታን ስትራቴጅያዊ ዝምድናን ዘተኮረ ዋዕላ ኣብ ሪያድ ኣካይዶም

Radio Erena: 16 December 2021

መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ ጸጥታን ስትራተጂያዊ ዝምድናን ዘተኮረ ዋዕላ፣ ብሰሉስ 14 ታሕሳስ፣ ኣብ ሪያድ ኣካይዶም።

እቶም መራሕቲ፣ ኢራን ዞባዊ ስግኣት ንኸይትኸውን፣ ግብራዊ ስጉምታት ከተርኢ ከምዘለዋ’ውን ኣብ መደምደምታ ዋዕላኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣስሚሮም።

ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠር፣ ኩዌትን ባሕሬን ዝተሳተፋሉ መበል 42 ስሩዕ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ፣ ካብ ማዕከናት ዜና ካብ ዝርሕቕ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ንጉስ ሳልማን፣ ብወዱ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ተተኪኡ’ዩ ተራእዩ።

ወራሲ ዓራትን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ቅድሚ’ዚ ዋዕላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኩለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

ወዲ 85 ዓመት ንጉስ ሳልማን፣ ሃገር ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ጥዕናን ዕድመን ስለዝርከብ፣ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ፣ 36 ዓመት ዝዕድሜኡ ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ድሮ ስልጣን ከምዝተረከቦ ዘነጸረ ፍጻሜ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶታቶም ይህቡ።

መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ብወግዒ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝኾነሉ፣ ናይ ዘቤታውን ዞባውን ፖሊሲታት ምትዕርራይ ክገብር ከምዝኽእል ክኢላታት ስነ-ፖለቲካ ይትንትኑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0