ሱዳን፣ ኣንጻር ‘ቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰልማዊ ሰልፍታት ይቕጽል

Radio Erena: 15 December 2021

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ኣብ ካርቱም ክካየድ ዝጸንሐ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብ13 ታሕሳስ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፍዎ፣ ብውሕዱ ኣብ 10 ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን እታ ሃገር ምክያዱ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ካርቱም፣ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ፖሊስ ንምብታኑ ኣብ ዝተኮስዎ ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን 55 ሰባት ከምዝቖሰሉ፣ ንትካላት ሕክምና እታ ሃገር ብምውካስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሰልፈኛታት፣ እቲ ብ25 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋን ድሕሪ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብ21 ሕዳር ተበጺሑ ዝተባህለ ስምምዕ ምቛም ሓድሽ መንሰጋገሪ መንግስቲን’ዮም ዝቃወሙ።

ምስ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብምስምማዕ ይኹን ብሽርክነት ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣይንቕበልን ዝብሉ ሰለፈኛታት ሱዳን፣ ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም’ዮም ዝጠልቡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ነቲ ብበርጌስ ዝቖመ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ኣልዩ፣ ብ25 ጥቅምቲ ዕልዋ ምስ ኣካየደ ኣብ ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ዛጊት 44 ሰለፈኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብዝተኻየደሉ ህዝባዊ ናዕብን ኣህጉራዊ ጸቕጥን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ክመልስ ዝተገደደ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ሲቪላዊ ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዎ መንግስቲ ክቐውም እኳ እንተተሰማምዐ፣ እቲ ካቢነ ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ግና ኣይክህልዎን’ዩ።

ምርጫ ሱዳን ኣብ 2023 ክሳብ ዝካየድ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ነታ ሃገር ክመርሕ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት ኣብቲ ብ21 ሕዳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተበጽሐ ስምምዕ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0