መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ልዑላውነት ሶማል ከኽብሩ ተሰማሚዖም

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ልዑላውነት ሶማል ከኽብሩ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 11 November 2018

eri_som_ethመራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ልዑላውነት ሶማል ከኽብሩ ብዕለት 9ን 10 ሕዳር ኣብ ጎንደር ኣብ ዘካየዱዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ተሰማሚዖም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣኼብኦም፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ክለዓል ምድላዋት ይገብር ምህላዉ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ናይ ምሕዝነትን ልምዓታዊ ምትሕብባርን፣ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ዝምድናኦም ንምሕያል ብውልቂ ኮነ ብደረጃ ዞባ ንዘጋጥሞም ጸገማት ንምእላይ ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም።

ኣብቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ፣ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ጥምረትን ሃገረ ሶማል ክኽበር ድሕሪ ምስምሞዖም፣ ፖለቲካዊ ናጽነት ሶማልን ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለታትን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሶማል ናይ ውክልና ኲናት ኣካዪደን ዝብል ክሲ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዝቐረበለን ይዝከር።

ብዘይካ’ቲ ስሉሳዊ ተኸታታሊ ዘተ፣ ፕረዚደንታት ኢሰያስን መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆን፣ ብቀዳማይ ሚኒስተርን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኢትዮጵያ ተሰንዮም፣ ኣብ ጎንደር ዝርከብ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ቦታታትን ምዕባለታትን ዑደት ኣካዪዶም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መመረቕታ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ንፕረዚደንታት ኢሰያስን መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆን ድሕሪ ምምስጋን፣ ብፍላይ ኣቦሓጎኡ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተቐብሩላ ጎንደር ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ከተአንግድ ምብቃዓ ደስ ዘብል’ዩ’ ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።

ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልያን ብወገኖም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ንህዝቢ ጎንደርን ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን እንግዶትን ኣመስጊኖም።

eri_som_eth2ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ምፍጣጥ ተኸሲቱሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ነቲ ጎረቤት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣዋሲኑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ጥራይ ምብጹሑ፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ፖለቲካዊ ጸወታ’ዩ ክብሉ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ዞባ ዝገልጹ።

ዝቕጽል ርክብ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ከምዝኸውን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ናይ 41 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ ናብ ከተማ ሞቓድሾ ጉዕዞ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ወርሒ ሰነ ብዘካየዱዎ ስምምዕ መሰረት ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-ሞቓድሾ ናይ ንግዲ በረራ ይጅምር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንንግዲ ወፍርን ቱሪዝምን ከዐምብብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ናይ 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ዝንገረሉ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ ኣስመራ በረራኡ ከምዝጀመረ ይዝከር።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0