ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ሰጉጓ

ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ሰጉጓ

Radio Erena: 13 November 2018

France migration

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ዝመጽሉ ሃገራት ከምዝሰጎገ ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክሪስቶፍ ካስትነር ገሊጹ።

ንሱ ብ6 ሕዳር ንሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ብዝተመሳሳሊ መንገዲ ነናብ ዓዶም ከምዝተሰጎጉ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ብ20% ምዝያዱ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስጓግ ንምቅልጣፍ፣ ኣስታት 200 ግዜያዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣቑሙ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ንመጻኢ፣ ብዝሒ ዝስጎጉ ስደተኛታት ካብዚ ዘለዎ ክዛይድ ምዃኑ ኣሚቱ።

ፕረዚንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ሕድሽ ሕግታት ስደተኛታት ከምዝተኣወጀ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝወስድ ዝነበረ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክቐላጠፍ ምዃኑ እኳ እንተጠቐሰ፣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ናይ ስደተኛታት ብዝሒ ግና ክጎድል’ዩ ወሲኑ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኣዋጅ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉን ሕጋዊ መንበሪ ፍቕድ ዘይብሎን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ክስጎጉ ዝብል ይርከቦ።

መንግስቲ ፈረነሳ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ብተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብተሪር ይንቐፍ።

ኣብ ፈረንሳ ዓመታ ልዕሊ 8 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሓቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣማኢት ካብኣቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ይኹን’ምበር ኣብ መንጎ መንግስታት ፈረንሳን ኤርትራን ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስምምዕ ስለዘየለ፣ ብግዴታ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ ስደተኛ ከምዘየለ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

ብዙሓት ካብኣቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይርከብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ክፍሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ፈረንሳ የመልክት።

ፈረንሳ ኣቐዲሙ ብዝጸንሓ ክፉት ናይ ዑቕባ ዕድላት፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተነጽጉ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ክውሕዙ ጸኒሖም’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0