መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጽገና ክዝትዩ’ዮም

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጽገና ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: 13 November 2018

AU 11

45 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዘለዎ መበል 11 ፍሉይ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 17ን 18ን ሕዳር ክካየድ ምዃኑ ሚኒስትትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ’ዚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስተራት 55 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ን14ን 15 ሕዳር ክጋብኡ ምዃኖም’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

እዚ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ጉዳያት እቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርበሉ ትካላዊ ጽገናታት ክዝቲ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ዋዕላታት፣ ብዛዕባ’ቲ ብኣጀንዳ 2063 ዝፍለጥ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውህደት ኣፍሪቃ ብዝምልከት’ውን ክመያየጠሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ፣ ብ5ን 6ን ሕዳር፣ ኮሚተ ቀወምቲ ተወከልቲ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን ላዕለዋይ መሪሕነት ኮሚሽን እቲ ሕብረት፣ ምምራጽ ላዕለዋይ መሪሕነት ኮሚሽንን፣ ምምሕዳራውን ፊናንስያውን ኣብ ዝብሉ ናይ ጽገና ኣርእስታት ምምካሩ ይዝከር።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመት ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ መስርሕ ጽገና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2017 ካብ ዝብገስ ንደሓር፣ ኣብ ትግባረኡ ጽቡቕ ገስጋስ የርኢ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ጽገናዊ ለውጥታት ዘበግሰ፣ ጠለብ ኣባላት ሃገራትን ህዝብታተን ንምምላእ ምዃኑ እቲ ኣቦ መንበር ኣዘኻኺሩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0