መራሒ ቻድ ነበረ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ

መራሒ ቻድ ነበረ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 21 July 2015

haseb Habre

መራሒ ቻድ ነበረ ሒሰን ሃብረ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ብ ሰኔጋል ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ካብ 1982 ክሳብ 1990 ንሸሞንተ ዓመታት መራሒ ቻድ ዝነበረ ሒሰን ሃብረ፣ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ምእላዉ ድሕሪ 25 ዓመታት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቅራቡ፣ ተጎስዩ ዝጸንሐ ጉዳይ ፍትሒ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ መዓልቦ ንምርካብ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። 

72 ዓመት ዝዕድሚኡ ሒሰን ሃብረ፣ ኣብ ዳካር፣ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ነቲ ክሲ ከምዘይቅበሎን ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረብን ክገልጽ እኳ እንተፈተነ፣ ብሓይሊ ፖሊስ ተገዲዱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ናይ ዓይኒ መሰኻክር የረድኡ።

 

ሒሰን ሃብረ ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዘይኣምነሉ ብምግላጽ ራሕሪሕዎ እኳ እንተወጸ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ግና መስርሑ ኣየቋረጸን።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ዝቕጽል መስርሑ፣ ነቲ መራሒ ቻድ ነበር ብፖሊስ ኣገዲዱ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ምዃኑ’ውን ገሊጹ ኣሎ።

መራሒ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ቤት ፍርዲ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክቐርብ ኣብ ታሪኽ እዛ ኣህጉር ናይ ፈለማ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰኔጋልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቖመ ምዃኑ ይንገር።

ውልቀ መላኺ ምንባሩ ዝንገረሉ ሒሰን ሃብረ፣ ኣብ 1990 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዉ ናብ ሰኔጋልን ቤልጁም ኣብ ዝሃደመሉ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብምኽሳስ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ዘካይድዎ ጻዕርታት ከይተዓወተ’ዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት ጻዕሪ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መራሒ ቻድ ነበረ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ከሲሶም ናብ ፍርዲ ከቕርብዎ ምኽኣሎም ከኣ፣ ፕረዚደንት ሱዳንን ኤርትራን ንዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገበናት ሰብኣዊ መሰላት ከሲሰንኦም ንዘለዋ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘተባቦ ፍጻሜ ኮይኑ ኣሎ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0