ካልድ ኣብ ጉዕዞ፣ ካብ ማይ’ንበሳ ክሳብ ላምፔዱሳ

ካልድ ኣብ ጉዕዞ፣ ካብ ማይ’ንበሳ ክሳብ ላምፔዱሳ

Radio Erena: 20 July 2015 

khaled 1

      “ክሓተካ እንዶ ባሕሪ?”

     “ስለምንታይ’ዩ ከርስኻ ዘይጸግብ?”

     “ክሳብ ሕጂ ዝወሓጥካዮ ስጋን ዝሰተኻዮ ደም ኣይኣኽለካን ድዩ?”

     ቁጠዐይ ምቁጽጻር እንዳሰኣንክሉ’የ። ባሕሪ ንነድረይ ዓጸፌታ ከይምልሰለይ እናፈራሕኩ ከኣ።

     ‘ወሓይዝ ኩሉ ናብ ባሕሪ’ዩ ዝፈስስ፣ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን፣” ጠቢብ ሰለሙን’ውን ዘኪረ። ሰለሙን ንሰብን ባሕርን ብስስዐ’ዩ ኣዛሚድዎ። እንተ ኣነ ብምብታይ ከምዘዛምዶ ጨኒቑኒ ኣሎ። 

     ትንፋሰይ ውሒጠ፣ ብስቕታ ክዕዘቦ መሪጸ። ንሱ’ውን ብዘይካ’ቲ ሓንሓኒ ማዕበሉ፣ ክርድኦ ዝኽእል ድምጺ ኣየድሃየን። ምጥምማት ኣየዕረፍናን። ፊት ንፊት ክጠማመቶ እናስግኣነ ስለዝመጸ፣ 20 ስጉምቲ ዝኣክል ካብ እግሩ ርሒቐ ረፋዕ ክብል ወሰንኩ።

 

     ገና ዝባነይ ከይመለስኩ፣

     “ባሕሪ ዝበልካ ንስኻ ዲኻ?” ጎርዳዕ ድምጺ ሰማዕኩ። 

     “እንታ’ዚ ባሕሪ ግዲ ናይ ሓቂ ክዛረብ’ዩ፣” ፍርሒ እናወሓጠኒ ግምጥል ኢለ ተዓዘብክዎ።

     “እወ ንዓኻ’የ፣ ንዓይ ንባሕሪ ከማኻ ፈራሓት ኣይዝንጥሉንን’ዮም፣” ሃዳዲ ድምጺ ተደግመ።

     ጸሓይ ምረታ ዝዕቐን ኣይኮነን። ምስዚኹሉ ግና ብዝባነይ ዛሕሊ ዝሓቖፈ ቀጢን ረሃጽ ተሰምዓኒ።
     ኣብ ገምገም እዚ ባሕሪ በይነይ ምህላወይ ኣፍርሃኒ። ክረምቲ ክነሱ ዝዛነ ሰብ ኣይነበረን። ሰብ እንተዝህሉ ተመነኹ። ዘፍርህን ዘትብዕን ሰብ’ዩ መስለኒ።

     “እዝነይ’ዩ፣ ካብ ሓንጎለይ ዝወሓዘ ሓሳባት፣ እዝነይ ከድምጾ ክኢሉ፣” ንነብሰይ ከእምና ደለኹ።

     “ማይ፣ ንፋስ፣ ሓዊ እቶም ዝሓየሉ ኣካላት ተፈጥሮ ምዃኖም ኣይስሕቶን’የ። መን ኮይነ’ ሞ አነ ንባሕሪ ክዝንጥል። ግና ባሕሪ ኣይዛረብን’ዩ፣ እዝነይ’ዩ፣” ደጊመ ሓሰብኩ።

     ዋላ’ኳ ፍርሒ እንተወሓጠኒ፣ ክዛረብ እንተዝሰምዖ ግና ተመነኹ።

     “ትሰምዖ ዶ የለኻን? ይዛረብ እንድዩ ዘሎ እንታይ ኮይንካ ትፈርሕ፣” ሕልናይ ወቐሰ።

     ተፍጥሮ ምዝንጣለይ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ኮይነ፣ ምስ ወላዲተይ ካብ ዓዲ ዃላ፣ መራጉዝ ዓዲ ጉንፋይ ናብ ዝተባህለት ንእሽቶ ቁሸት ብመንገዲ ፍክያ ጨቖምጠ ዝተጓዓዝናላ መዓልቲ ዘከርኩ። ሓደ ሩባ እናኽንሰግር፣ ኣብ ከባቢና በግራብ ዝተሸፈነ ሓቒቕ ማይ ዝፍልፍል ከውሒ ረኸብና። ወላዲተይ ማይ ቅድሚ ምቕዳሓ፣ ‘መዓላትክን’ ክትብል ኣድሃየት።

     ሰበ ዘየለ ክነሱ፣ መዓላትክን ምባላ እናገረመኒ፣ “ኣደይ ምስ መን ደኣ ትዛረቢ?” ሓተትኩ።

     “የሕዋትና’የን፣ ዋላ’ኳ ንሕና ክንርእየን እንተዘይክኣልና ዝወደይ ንሰን ይርእያና ኣለዋ፣” መሰለተ ኣብ ደንደስ ሓደ ከውሒ ዝጸንሐ መቕድሒ ማይ ምዃኑ ዘፍልጥ ታኒካ እናልዓለት። ‘መርቲ’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ብጫ ናይ ማርማላታ ታኒካ’ዩ። ብዙሕ ዘገልገለ ምዃኑ ዘመላኽት፣ ዝተጨፋለቐን ዝመረተ ከፈፉ ንትርኢት ከኣ ነበሮ።

     ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ዛንታ ደቂ’ሕድርትና ካብ ኣእምሮይ ከይተፈልየ ንሓያሎ ዓመታት ምሳይ ጸኒሑ’ዩ። ሎሚ ግና ብፍልጠትን ዕድመን ዝዓበኹም ኮይኑ ግዲ ተሰሚዑኒ፣ ንዘይርእዮን ዘይሰምዖን መዓልካ-ሓደርካ ምባል ኣየገደሰንን።

     ኣብ ፊተይ ፈጢጡ ዝጠማመተኒ ባሕሪ ግና ዝእንኡ ሰሚዐ ኣለኹ። ወላዲተይ ሓደ ሰብ’ውን ክትውሕጥ ንዘይትኽእል በግራብ ዝተሸፈነት ንእሽቶ ፈልፋሊት ቦታ ‘መዓላትክን’ ካበለት፣ ነዚ ኣእላፍ ዝወሓጠ ባሕሪ ደኣ’ሞ መን ኮይነ ክዝንጥሎ።

     “መዓልካ ባሕሪ፣ ኣንታ ባሕሪ፣ ዝናኻ ሰሚዒ ኣለኹ። ባሕረኛታት የምልኹኻ፣ ገሊኦም’ውን ይሰግዱልካ፣ ሓይልኻ ንሓያላት ምርዓድ ምዃኑ’የ ዝፈልጥ፣” ፍርሕ ትብዕ እናበልኩ፣ ብዝተቆራረጸ ልሳን ዘድሃኽዎ ነበረ።

     ዓለም ብኣንስታይ ጾታ እናተጸውዐት፣ ባሕሪ ግና ስለምንታይ ተባዕታይ ጾታ ከምዝተዋህቦ እናሕሰበኒ’ዩ።

     “ገሊኦም ሲ ‘ባ ይንዕቑኒ’ዮም፣ ቀላይ ማይ ኣንበሳ እንድየ ዝመስሎም፣” ሓውሲ ምስትምሳል’ዩ።

     “ከም ውቅያኖስ ሱናሚ ከልዕል እኳ እንተዘይክኣልኩ፣ ካብቲ እትሃድምሉ ዘለኹም ጸገምን መከራን ዝሕይል ምዃነይ ክትርድኣለይ ምደለኹ፣ ፈርዖን ምስ ሰራዊቱ ዝውሕጥ ምዃነይ ኣይንበብካን ዲኻ፣” ባሕሪ ላዕልን ታሕትን እናተሰራሰረን። ብዙሕ ዓፈረ። ዘይወሓጠኒ ኣንጸርጸረ። ምስ ኣኻውሕ ተላግዐ።

     ባሕሪ፣ ንቀላይ ማይ ኣንበሳ ከነኣእሶ እኳ እንተደለየ፣ ቀላይ ማይ ኣንበሳ’ውን ካብ መን ንኢሰ ግዲ ኮይኑ፣ ሓይሎ ቆልዑ ኣኽርያ ውሒጡ’ዩ።

     ካልድ፣ ከም ዓቢን ንእሱን ኣሕዋት መታዓቢተይ’ዩ። ንወላዲኡ ዓብዱሰመንድ ዘይፈልጥ ኣኽርያዊ እንተሎ ሒደት’ዩ። ኻልድ ካብ ብስሙ ንላዕሊ ወዲ ዓብሴ ማለት ወዲ ዓብዱሰመድ’ዩ ዝጽዋዕን ዝፍለጥን።

     ምስ መዛንኡ ደቂ ኣኽርያ ኣብ ቀይላይ ማይ ኣንበሳ ምሕንባስ ዝተላመደሉ ግዜ እዝክሮ’የ። ከምዝሐንበሰ ከይፍለጥ’ሞ፣ ወላዲቱ ራሕማ ተቖጢዓ ከይትገንሖ፣ ዝፋሕሸወ ገጹ ብሽንቲ’ዩ ዝሓጽቦ። ብምሕንባስ ንዝፋሕሸወ ገጾ ብሽንቲ ምውልዋሉ ደቂ ኣኽርያ ዘዘውትርዎ መጌጺ ነበሪ።

     ቀላይ ማይ’ንበሳ ሓያሎ እዋን ዝተመላለስክዎ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ፍርሒ ወላዲተይ ዝነቐለ፣ ምሕንባስ ክለማመድ ኣይከኣልኩን። ንዝሕንብሱ መተዓቢቲ ክዳውንቲ ምሓዝ ቀዳማይ ነበርኩ።

     ማይ’ንበሳ ክኢላታት ሓንበስቲ ምፍራዩ ዓወት፣ ዮናስ፣ ወዲ ቀሺ፣ ሰሌ፣ ሓሜ፣ ወዲ ስቲፍን ካልኦትን ደቂ ኣኽርያ ምስክር’ዮም።

akria

     ማይ’ንበሳ እናሰራሰረ ኣቀባጢሩ ዘዕበዮም መናእሰይ ኣኽርያ ውሑዳት ኣይኮነን።

     “ማይ’ንበሳ መሲለዮም ደፊሮሙኒ” ምሕንሓኑ ኣየዕረፈን ባሕሪ።

     ረፋድ ሰዓት 9፣06’ዩ ዘሎ። ጸሓይ ምስ ምሉእ ሓይላ ከቲታ ኣላ። ኣብ ዞባ ሲቺልያ ናይ ኢጣልያ ሳልስቲ ኣቑጺረ ኣለኹ።

     ተማሃራይ ጂኦግራፊ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርክሉ፣ ኢጣልያ ኣብ ካርታ ዓለም ብቀሊሉ ከለልያ ዘኽኣለኒ ‘ጫማ ኣባ-ጦር’ ዝመስል ቅርጻ’ዩ። ዝበዝሐ ሰብ እኳ ምስ ፑት ጫማ’ዩ ዘመሳስላ። ዞባ ሲቺልያ ድማ ኣብ ቅድሚ’ቲ ፑት ዝተነብረ መዐንቐፊ እምኒ’ያ ትመስል።

     ብቁጠባ ካብ ዝተሃስየ ዞባታት ኢጣልያ- ሲቺልያ ቀዳመይቲ’ያ። ሲቺልያ ብናይ ማፍያ ፊልምታት ኣብ ኣምእሮ ሓያሎ ሰባት’ውን ተቀሪጻ’ያ።

     ጊዶ ንዝተባህለ ኢጣልያዊ ኣራይ ሓጺነ መጺን ዘርከብክሙሉ ዕባያት ኣኽርያ፣ ንሲቺልያ ብጊዶ ትዝክርዋ ትኾኑ። ጊዶ ነኽላቡ ዝኸውን ኣዕጽምትን ሓጺነ መጺንን ጸይሩ ብማዕዶ እናኽመጽእ፣ ቆልዑ ኣኽርያ ‘ቺቺልያኖ’ እናበሉ ክሳብ ድርኩኺት ቤቱ ከሰንይዎ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። ካልድ’ውን ንጊዶ ቆልዓ ኮይኑ ኣርኪብሉ’ዩ።

     ጊዶ በለስ እናኽበልዕ ፍሉይ ትርኢት ኣካፍታ ኣፍ ነበሮ። ሸቓጦ በለስ ኣብ ዝነበርናሉ፣ በለስ ካብ ክገዝኣልና ንላዕሊ፣ በለስ ክኹልስ ክንርእዮ ዝያዳ ባህታ ይፈጥረልና ነበረ። ጊዶ ድሕሪ ሞቱ ሬስኡ ናብ ሲቺልያ ከምዝኸደ’ዩ ዝውረየሉ። ሬስኡ ኣበይ ዓሪፉ ዝፈልጥ የለን። ምናልባት ኣብ ካታንያ’ዩ ዝኸውን። ካታንያ ኣብ ዞባ ሲቺልያ እታ ዝዓበየት ከተማ’ያ።

     ንጉሰ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ምስ ጸንበራ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ካብ ኤርትራ ዝተሰጉ ኢጣልያውያን ኣብ ካታንያ’ዮም ተጣይሶም።

     ካብ እምባ ኤትና ዝተተፍአ ዛራ ማይ ንካታንያ ሰንጢቑ’ዩ ዝሓልፍ። ዝዓመረ ኣውራ ጎደናኣ፣ ጎደና ኤትና እንተተባህለ እምበር ሓቑ’ዩ። ጎደናታት ጂዮቫኒ ዲ ፕሪማ ናብ ቸንትራለ ማዕርፎ ኣውቶቡስን ባቡርን ዝወስድ ወሽመጥ ጎደናታት እዚ ኣውራ ጎደና’ዩ። ኣብ ዚ ጎደና’ዚ ብፍሉይ እትዕዞ ጸበብቲ ንኣሽቱ ጎደናታት ይርከብ። መብዝሕቱ ዝኣረገን ዝፈራረሰን ህንጻታት’ዩ። ሰብ ዝነብሮ’ውን ኣይመስልን። ‘ሳን በሪሎ’ ወይ ከኣ ከባቢ ቀይሕ መብራህቲ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ። መናብር ዘውጽኣ ናይ መዓልትን ለይትን ፋይቶት እንተዘይኑ ካልእ ተወር ዝብል ሰብ ኣይርአን። እንተተንቀሳቀሰ’ውን ንዕዳጋ’ዩ ዝኸውን ግዲ’ለን፣ ዋጋ ከይነገራ ኣየሕልፋኻን።

     ኣብ ከባቢ ሳን በሪሎ ዝርከብ ጎደና ፒስቶነ፣ ብክልተ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ተመሪሐ’የ ከይደዮ። ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ከሕልፍ ዝኽእል ኣይኮነን። ጉዕዞና ተመራሪሕና’ዩ ኔሩ። ኣብ መንጎ’ዚ ትርኢቱ ዘፍርህ ህንጻታት ኤርትራውያን ክንበሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ግምት ኣየሕደርኩን። ኣብ ሓደ ካብዚ ህንጻታት ብዝኣተኹ ግምተይ ዘፍርስ ትዕዝቢ ጸንሓኒ። ናብ ሮማ፣ ሚላኖን ካልኦት ሃገራት ንኽሰግሩ ገንዘብ ክሕወለሎም ዝጽበዩ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ነበሩ። ዋና ገዛ መን ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ሺሻ እናትኸኸ ተዛንዩ’ዩ ዘውግዕ። ናብ ካታንያ ዝመጻእክሉ ዕላማ ብዝፈለጠ ክኸደሉ ተመንዩ ይኽውን’ዩ። ኣብታ ብትክን ሻቕሎትን ተዓብዒባ ዝነበረት ቤት ዘጽንሕ’ውን ስለዘይነበረኒ፣ ዘድልየኒ ተዓዚበ ወጻእኩ።

     ፊት ቸንትራለ ኣብ ዘላ ቤት ሻሂ ቦታ ሒዘ ኣለኹ። ጸሓይ 37 ዲግሪ’ያ ውዒላ። ብረሃጽ ንዝወሓዘ ፈሳሲ ንምትካእ ‘ሰልሳ ሊሞነ’ ኣዚዘ። ‘ሰልሳ ሊሞነ’ ብጽሟቕ ለሚንን ቅሩብ ጨውን ዝተበለዘት ዝሕልቲ ማይጋዝ’ያ። ኣብ ካትንያ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሮማን ሚላኖን ዝዝውተር ዓይነት መስተ ኣይኮነን። ብሰንኪ ሙቐት ካብ ዝስዕብ ነቕጺ ኣካላት ‘ኮልፖ ዲ ሶለ’ ንምክልኻል ሓጋዚ’ዩ።

     ካታንያ ሕውስዋስ ባጽዕን ኣስመራን ኮይና ተሰሚዓትኒ። መብራህቲ ትራፊክ ዝወሓዳ ከተማ’ያ። ጽርግያ ንምስጋር ብጥንቓቐ’ዩ።

Catania

     ፊት ንፊተይ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣብ መናጽፎም ዝተረዓቱ ቆልዓ ሰበይቲ ብዙሓት’ዮም። መብዛሕቶም ኤርትራውያን። ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን’ውን በብጉጅልኦም ይርኣዩ። ሲቺልያ ካብ ዝኣቱ ሓድሽ ትርኢት ኣይኮነን።

     ኣብ ጎነኦም ዝርከብ መንጫዕጫዕታ፣ ጠሊ ፈጢርሎም’ዩ። ንዘይፈልጥዎ መጻኢ ይጽበዩ ምህላዎም ካብ ፊቶም ይንበብ። ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ጎፍ ዝበለትኒ ፍልስፍናዊ ልቢ ወለድ ኣየርላንዳዊ ሳሙኤል በከት ‘ንጎዶት ምጽባይ’ ኣዘኻኺሩኒ። ንዘይትፈልጦ ምጽባይ ከቢድ’ዩ።

     ቴሌፎነይ ካብ ዝጠሓልክሉ ዓሙቕ ትጽቢት ከተውጽኣኒ ምኽኣላ ሩፍታ ፈጠረለይ። ኣንቋዓ ኣስተንፊሰ። ብውሕዱ ሎሚ ምሸት ዝጽበዮ ፈሊጠ ኣለኹ።

     ኣብርሃ ተወልደ ካብ ዝዓበየሉ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ ካብ ዝርሕቕ ክልተ ሲሶ ካብ ዕድሚኡ ኣቑጺርሉ ኣሎ። ኣብ ሲቺልያ 40 ዓመታት’ዩ ተቀሚጡ። ብፍላይ’ኳ ኣብ ካታንያ። መተዓቢቱ ካብ ኣብርሃ ንላዕሊ ብድሪቶ’ዮም ዝፈልጥዎ። ኣብርሃ ኣብ ጎደናታት ካታንያ ንዝከላብቱ ኤርትራውያን ይሕግዝ ኣሎ ዝብል ወረ ሰሚዐ’የ ቆጸራ ሒዘሉ። ካብ ዝተቛጸርናሉ ሓደ ሰዓትን ርብዒን ደንጕዩ’ዩ በጺሑኒ። ካብ ስራሕ ምስ ምምጽኡ ኣይሓዝክሉን።

     ዕባይ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ ምዃኑ ዘንጸባርቑ ዋዛን ዕላላትን መሊኦሞ’ዮም። ካብ ዝፍልዮ ርብዒ ዘመን ንዘቑጸረ ገዛውቱ ሓደ ብሓደ’ዩ ዝዝክር። ዕላላት ኣኽርያን ዕዳጋ ዓርብን ተላዒሉ፣ ካብ ኣውራ ጉዳይና ከይንወጻእ’ሞ ግዜና ከይባኽን ሻቕሎት ሓደሪኒ። ኣብርሃ’ውን ውራዩ ዝርስዕ ኣይነበረን። ስደተኛታት ይሓድርሉ’ዮም ናብ ዝበሎ ከባቢታት እናተዘዋወረ ሃለዋቶም ምጥያቕ ቀጸለ። ጸሓይ ኣብ ምዕራባ’ያ።

     “ትማሊ ዝኣተወት መርከብ ኣላ’ሞ ሓደሽቲ ቆልዑ መጺኦም ይህልዉ’ዮም፣” ሽጋራ እናወለዐ’ዩ።

     ምስ ጥሙይ ከብዶም ከይሓድሩ፣ ኣውራ ድማ ግዳያት ደላሎን ኣሰጋገርቲን ከይኮኑ ከንቕሖም ዝገብሮ ጻዕርታት ይርኣየካ።

     ሓያሎ ቆልዑ፣ ኣዴታት፣ መናሰያት ናብ ካታንያ ወሓዙ። ሓደስቲ ውጻእ ባሕሪ ምዃኖም ወጅሆም ይምስክረሎም’ዩ። መግቢ፣ ግዝያዊ ሕክምና መሕጸብ ሰብነት ዝረኽብሉ ቦታ ንኸርእዮም ላዕልን ታሕትን ምባሉ ቀጸለ። ካሜራይን መቕረጺት ድምጸይን ኣዋዲደ ኣብ ጉዳየይ ኣተኹ።

     ነገር’ያ ኣጋጣሚ ሓደ ካብ ዝተወከስክዎም ሰለስተ ቆልዑ ስም ኣብኡ ካልድ ነበረ። ምስ ዛንታ ካልድ መታን ክኸደለይ’ውን ካልድ ክብሎ’የ መሪጸ። ንሱ’ውን ኣይተቓወመን። ካብ ጊንዳዕን ዓዲዃላን ዝነቐሉ’ዮም። ኣብ ሊብያ ኣብ መዝርዓ ተላልዮም ድማ ካብ ሓንቲ ማህጸን ከምዝወጹ መናቱ ክፈላለዩ ኣይደለዩን። ቆልዑ’ዮም።

     ካብ መዓስከር ‘ካራ ሚኒዮ’ ናብ ናይ ቆልዑ ማእከል ከይውሰዱ፣ ዕድሚኦም ኣዕብዮም’ዮም ተመዝጊቦም። ገጾም ርእዩ ንዝመዝን ቅኑዕ ፈራዲ ግና ካብ 14 ዝሓልፉ ኣይኮኑን።

     “ካብ ካታንያ ናብ ኢኹም ክትከዱ?” ንኹሎም ዘቕረብኩዋ ዛዛሚት ሕቶ’ያ።

     “ናብ ዝኾነ፣” ዝሃቡኒ መልሲ ነበረ።

     ብውሕዱ ናብ ሓንቲ ሰሜን ኤውሮጳዊት ሃገር ማለቶም’ዮም። ናብ ዝኾነ ኣንቂዱ ዝተበገሰ ኻልድ ፣ ደም ብዝሰረባ ኣዒንቱ፣ እናሰረቀ እንተዘይኮይኑ፣ ኣትኪሉ ኣይጥምትን’ዩ።

     ኣብርሃ ንገሊኦም ኣብ ሓኪም ይትርጉመሎም፣ ንገሊጾም ክዳውንትን ጫማን ይዕቕኖም ነበረ። ስርሑ እናመንጎወ ከኣ ናባና ይሕወስ።

     “እዞም እትሪርእዮም ዘለኻ ቆልዑ፣ ሰሪሕና ስድራና ክንሕግዝ እናበሉ ዕድሚኦም ኣዕብዮም እናመዝገቡ በቃ ምስማዕ ኣብዮሙና” ንሓንቲ ቆልዓ ምስ ዶክተር ዝነበራ ርክብ ተርጕሙ ድሕሪ ምውጽኡ ዝበለኒ’ዩ።

     “እወ እንታይ ደኣ ጾር ስድራ እንድዮም ተሰኪሞም፣ ጸገም’ዩ፣” በልክዎ።

     ናበይ ክኸዱ ከምዝደልዩ’ውን ብንጹር ዘይፈልጡ ምዃኖም እናተገረምኩ’የ ኣዕሊለዮ ንኣብርሃ።

     “ቅድሚ ዝኣገረ ግና ናብ ሮማ ወይ ሚላኖ ክበጽሑ ኣለዎም፣ ድሕሪኡ ከኣ ከም ሰቦም፣” ጥራይ’ዩ መሊሱለይ።

     ኣብርሃ ንልዕሊ 13 ዓመታት ብወለንትኡ ዝነጠፈሉ ሰናይ ተግባር’ዩ። ብዙሕ ተሞክሮ ስደትን ስደተኛታትን ኣብ ሓንጎሉ ሰኒዱ ኣሎ።

Catania2

     ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ክይኑ ኣሎ። ኣንጊሀ ናብ ኣግሪጀንቶ ጉዕዞ ኣለኒ። ኣብርሃ’ውን ኣንጊሁ ስራሕ’ዩ። ኣብ ፊት ቸንትራለ ናብ ዝሓደጋ መኪናኡ ኣምራሕና። ግደ ሓቂ ሮታመ’ያ ምባላ ይቐልል። ንሱ’ውን ብዙሕ ግምት ዝህባ ኣይኮነን።

     “ካብ ብእግሪኻ ሲ ናብቲ ናብቲ መበሊት ትኸውን’ያ።” እናበለ’ዩ ኣነኣኢስዎ።

     ፊያት ኡኖ ዝዓይነታ ኣረጊት መኪና፣ ብውሽጠይ ዋንኣ ድማ ኣፉ መሊኡ ክንሓምያ ከምዝጸናሕና ግዲ ነብሳ ነጊሩዋ፣ ምትንሳእ ኣበየት። ኣብርሃ ከነኣእሳ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ቅድሚ ጋሻ ከተዋርዶ ግና ኣይተጸበያን። መኪና ትሪፍ ትሪፍ እናበለት ኣቕበጸት። ሕንከት እናተሰምዖ፣ ከንጸርጽረላ ጀመረ።

     “ባትሪ’ያ ወዲኣ፣ ገለ ወሊዐ ከይደ ኣለኹ ማላት’ዩ፣” ሓሰብ።

     ብዛዕባ መኪና ዘሎኒ ኣፍሊጦ እቲ ዝወሓደ’ዩ። ንምናልባት ግና ደፊእና ከነተንስኣ ንኽእል እንተኾና ሓቲተ’ዮ። ካብ ተሞክሮ ደፊእካ ዝትንስኣ መካይን ናጻ ቀረጽ ዝተመሃርክዎ’ዩ ዝኸውን። ኣብርሃ’ውን ምስ ሓሳበይ ተሰማምዐ። ዝሕግዙና ሰባት ናብ ምድላይ ኣቋመተ።

     ዝነበርናዮ ከባቢ ቀዋሚ መጽለሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ብብዝሒ ዝሓድርሉ ስለዝኾነ፣ መኪና ዘዳፍኦ ሰብ ከምዘይስእን ርግጽ ኮነ። ካብ ማዕዶ’ውን ብእኩብ ዝመጹ ቆልዑ ርኣና። ኣቐዲምና ዝረኸብናዮም ካልድ ዝርከቦም ቆልዑ’ዮም።

     “ዘንደቀይ ኣይደቀስክንን ዲኺን? ንዕነ በላ ኣዳፍኣኒ፣” ነቶም ቆልዑ ብኣንስታይ ጾታ እናጸወዕ።

     እቶም ቆልዑ’ውን “ኣቦይ ኣብርሃ መኪናኻ ድያ?” እናበሉ ንምድፋእ ኢደይ ኢድካ ክብሉ ተዳለዉ። ኣብርሃ ሓደ ነገር ዘኪሩ፣- “ጽንሓስ ከ በለ፣”

     ድሕሪ ጋቢና መኪና ከፊቱ ክፈታተሽ ጀመረ። ገለ ናይ ቴክኒክ ኣቑሑ ዝደሊ’ዩ ዝመስል። ገዚፊ ሳንጣ ኣውጺኡ ድማ፣

     “ኣብዚ’ሎ ዝኣኻኸብክዎ ሓደስቲ ክዳውንቲ’ሞ ዘዝኣኽለኪን ውሰዳ፣” ኢሉ ነቲ ሳንጣ ናብቶም ቆልዑ ኣሕለፎ።

     ቆልዑ ዓዓቐኖም ክሳብ ዝፈላልዩ፣ ኣብራሃ ንገዛ እትበጽሖ ሽጋራ ወለዐ። ዝጥቕለል ሽጋራ’ዩ ዘትክኽ።

     መኪና ተደፊኣ ተሰራሰረት። ምሰ’ብርሃ ናይ መወዳእታ ሰላምታ ተለዋዊጥና ተፋነና። መኪና’ውን ሓንጊዳ ከምዘይምሰየት ተሓንበበት። ካብ ትርኢታ ተግባራ ዝዓቢ መኪና ኣብርሃ ድሪቶ።

+++++++++++++++++++

Agrigento

     ረፋድ ሰዓት 10 ካብ ከተማ ካታንያ ናብ ኣግሪጀንቶ እተምርሕ ኣቶቡስ ተሳፊረ፣ ኣብ ድሕሪት ካብ ዘለዋ መናብር ናብ ገምገም ባሕሪ እተጠምት ጸጋመይቲ መንበር መሪጸ። ብዙሕ ተሳፋሪ የብላን።

     20 ዝኮኑ ሲቺልያኖ በብጽምዲ ፋሕ ኢሎም መናብሮም ሓዙ። ኣዝማድ ጊዶ ክኮኑ ይኽእሉ’ዮም ሓሰብኩ። ንስቺልያ ምስ ጊዶ ምትሕሓዘ ብውሽጠይ እናስሓቀኒ’ዩ። እናተገምጠሉ እንተጠመቱኒ ከም ንቡር ክቕበሎ ኣቐዲመ ወሲነ’የ። ድሕሪ ናይ 2ሰዓታት ጉዕዞ ኣግሪጀንቶ ናብ እትብሃል ንእሽቶ ከተማ በጻሕና። ስም እታ ከተማ ዝሕብር ምልክት ስለዘይርኣኹ፣ ቅድሚ ምውራደይ ከረጋግጽ፣ “ኣግሪጀንቶ ኣብዚ ድዩ? ሓቲተ ብቋንቋ እንግሊዝ።

     እንግሊዝኛ ከምዘይዛረቡ ከረድኡኒ ተጋደሉ። መለመኒ ማይ ንእትበቅዕ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ፍልጠይ ናብ ዕዳጋ ከውርዳ ተገዲደ። ክልተ ካብቶም ሲቺልያኖ፣ ቋንቋ ፈረንሳ ብመጠኑ ከምዝኽእሉ ሓበሩኒ። መቓብር ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ዝርከበሉ ቦታ ኣበይ ከምዝርከብ’ውን ደርጎስጎስ እናልኩ ሐቲተ።

     ገጾም ብድንጋጸ ከምዝተመልአ ይንበብ። “ቤተ ሰብ ኣለካ’ድዩ ኣብኡ፣’ ሓንቲ ዕድመ ዝደፍኣ ኣደ’የን። ዝጎረፈ ኣስናነን ንመንከሰንን ግርጻነን ዝጸደፈ’ዩ ኣምሲልዎ። ዝዓጠረ ቆርበት ገጸን ድማ ብስነጠበባዊ ዝተቐብኣ ስእሊ’ዩ ኣምሲሉወን።

     “እወ ኩሎም ቤተ ሰበይ’ዮም፣” በልኩወን ጓሂ እናተሰምዐኒ።

     መንገዶም ብማዕዶ ናብ እትርአ ናይ ጥንቲ ቤት ክርስትያን ነበረ’ሞ፣ እናመርሑኒ ተጓዓዙ። በእዳዎም ናብቲ ናይ ኣግሪጀንቶ መካነ መቓብር ዝወስድ መንገዲ ኣመላኺቶም ተፋነወኑ።

     ምትሕብባሮም ኣምስጊነ ናብ ጸጋም ዘውስድ መንገዲ ሒዘ ቁሩብ ከይሰጎምኩ፣ ካምቻኡ ክሳብ እጅገ ኢዱ ዝሰብሰበ ድልድሉ ሰብኣይ ብማዕዶ ተዓዘብኩ።

     “ጀርዲነሪ’ዩ ዝኸውን” ብልበይ’የ። ሰላም ጥራይ ኢለዮ ከኣ መንገደይ ክቕጽል ወሰንኩ። ተጠራጢረ ድማ ክሓቶ ተመልስኩ።

     መቓብር ባሕሪ ኣበይ ከምዝርከብ ብግድል ሓተትኩ። ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣቐዲሙ ብዝተሓበረኒ፣ ናብ ፖርቶ ኢምፐዶክለ ዝወስድ መንገዲ ንየማን ሓዲገ ናብ መካነ መቓብር ‘ፒያኖ ጋታ’ ክቕጽል ወሰንኩ።

     ፊት ንፊተይ ጋህስታትን መቓብራትን ይርአ። ኣስማትን የብሉን። ኣብ ገሊኡ ምልክት መስቐል ይርአ። ገሊ ዝኾነ ምልክት’ውን የብሉን። ‘ኢሚግራቶ’ ዝብል ጽሑፍ ምስ ዓመተ ምሕረት ብብዝሒ ይንበብ። ስደተኛ ማለት’ዩ ብቋንቋ ጣልያን። ስም ናይዞም በብእዋኑ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ደቂ ሰብ፣ ኣብ ሓንቲ ቃል’ያ ተጠሚራ- ኢሚግራቶ።

     ኣብ ሓንቲ ዝመረጽኩዋ ናይ ጋህሲ መንደቕ ተጸጊዐ ከዕርፍ ወሰንኩ።። ጸሓይ’ውን ስለዝነበረ ከውሊ ካብ ጸሓይ እንተረኸብኩ።

     ዝብሎ የብለይን። ነቲ መናድቕ ደጋጊመ ኮለልክዎ። እንታይ ትርጉምዩ ክህበኒ ኣይፈለጥኩን። መቓብር ባሕሪ’ዩ። ባሕሪ’ውን መቓብር’ዩ። ጥልቀቱ መዓሙቕ። ባሕርን መቓብርን ፍልልዮም ክሳብ ክርድኣኒ ዘይክእል ደንቆርኩ። ከርሲ ላምፔዱሳ-ኣግሪጅጀንቶ ዝበዝሐ ሬሳ ኤርትራውያን ዝዓዓረፈሉ ወጻኢ ሃገር’ዩ ዝኸውን።

     “ካልድ ትሰምዓኒ ዶ ኣለኻ?” ያ! ወዲ ዓብሴ ነብሲ፣ ካብ ማይ’ንበሳ ሲ ኣብ ላምፔዱሳ ከተዕርፍ መሪጽካ! ዶስ ህይወት’ያ መሪጻትልካ….ራሕማ’ኮ ናፊቓትካያ ዘላ…..ጸኒዓ እኳ ዘየፋነወትካ…”

     ሊብያ ቅድሚ ምብጋሱ፣ ነዛ ዓይኑ ንምርኣይ ክሳብ ካርቱም ከምዝሃለኸት፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ዕላልና ብፌስቡክ ከውግዓኒ ኣይርስዖን። ናይ ህይወት መርከብ ናብ ርሑቕ መገሻ ሒዛቶ ከምዝነቐለተ ነብሳ’ዩ ነጊሩዋ ዝኸውን።

     ‘ቦንጆርኖ’ ዝብል ድምጺ ብዝባነይ እንተዘይሰምዐ ምናልባት ናብ ጥልቐት መቓብርን ባሕርን ተነቑተ ገለስ ምረኸብኩ። እንታዋይ’ዩ ኣይፈለጥኩን። ምስጢር ባሕርን መቓብርን ብዕምቖት ዝፈልጥ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ክሓቶ ተደናዲነ። ግን ከኣ ነዛ ደቒቕ እዚኣ ሲ ካብ ምስ ህሉዋት ምስ ምውታት ምውጋዕ ትበልጸኒ።

     ህሉዋት መን’ዮም? ምውታትከ? ኣነ ኣለኹ ድየ ሞይተ? መልሲ የብለይን።

     ባሕሪ ምዕፋሩ እናገደደ ይመጽእ ምህላዉ ካብ ማዕዶ ይስማዕ። ምልክት ምልኣቱ’ዩ። ክህድደኒ ዝደለየ ኮይኑ ተሰምዓኒ፣ ንዝዓረፉ ኣይትረብሽ ክብለኒ ዝደለየ።

bahri

     “ኣንታ ባሕሪ…”

     “ኦይ! ይቕሬታ፣ ሓደርካ ባሕሪ?”

     ወጋሕታ ተንሲአ ኣብ ደንደሱ ዓሪፈ’የ። ሓደርካ ግና ኣይበልክዎን’ሞ ከይቕየመለይ ፈራሕኩ። ስልጣኑ ፈሪሐ ደኣ ሓደርካ በልክዎ እምበር፣ ውሽጠይ ሲ ኣመና’የ ጸሊእዎ።

     ራሕማ ማዕረ ክንደይ ክትጸልኦ ከም እትኽእል ኣሰላሰልኩ። ምጽላእን ምፍታውን ዓቐን እንተለዎ፣ ናይ መወዳእታ መዐቐኒ ጸሊኣቶ ኣላ ንባሕሪ።

     ካብ ኣኽርያ ናብ ኣግሪጀንቶ እንተትበጽሕ ምስ ባሕሪን መቓብርን ምመጎተት።

     “ካብ ሌባ ተቐባል ልባ እኳ ዝብሃል፣ ክልቲኦም ሓደ’ዮም፣” ከተንጸርጽር ርኣኹዋ።

     ዕላል ምስ ካልድ ከምዘይለቀኒ ይርድኣኒ ኣሎ። ኣማስያይ ናብ ሮማ ክምለስ ስለዘለኒ ግና፣ ግንብንብ እናበለኒ ኣእጋረይ ናብ ቸንትራለ ኣግሪጀንቶ ሰጎማ።

     ኣግሪጀንቶ ኣውቶቡስ ክጽበ ዘባኸንክዎ ግዜ ኣብ መካነ መቓብር ፒያኖ ጋታ ምስ ካልድ እንተዘውግዓሉ ሓሰብኩ። ተጸባያይ ርቡጽ ኮይነ’የምበር ኣውቶቡስ ኣብ ሰዓታ’ያ መጺኣ። ገና ከይተበግሰት’የ ኣብ መንበረይ ተገምሲሰ። ካታንያ ምብጻሕና ደርጓዕጓዕ ናይ ተሳፈርቲ’ዩ ኣበራቢሩኒ። ኣብ ድቓሰይ እንታይ ሓሲበ። ወልሓንቲ ኣይሓሰብኩን። ድኻም ናብ ለጥ ዝበለ መዓሙቕ ድቃስ’ዩ ወሲዱኒ።

     “ሞትን ድቃስን እንታይ’ዩ ፍልልዮም። መልኣኽቲ ስለምንታይ ዘይሞቱ? ይድቅሱ ዶ ኸ? ብሰንኪ ናይ ሓደ ኣዳም ጌጋ ሞት መጺኡ። ቅድሚ ኣዳም ሊቀ መላእኽቲ ዶ ኣይኮነን ጌጋ ዝፈጸመ። ምዃን መላእኽቲ ኣካል የብሎምን። ኣካል ዘይብሉ ከኣ ኣይመውትን’ዩ። ሞት ማለት ምፍልላይ ነፍስን ኣካልን’ዩ። ነፍሲ ካብ ኣካል ድሕሪ ምፍላያ’ውን ምንባራ ትቕጽል’ያ። እንታይ ዓይነት ምንባር? እንድዒ? ብዝኾነ ነፍሲ ካልድ ትነብር ኣላ። ካልድ ምንባር ይቕጽል ኣሎ። እሞ ሞት ደኣ ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ፣” ሄሌናውን ሰሜቲካውን ፍልስፍናታት ተሓናፊጹ ኣብ ርእሰይ ዑደት ፈጠረ። ንሞት ከነኣእሶ ደለኹ። ሓይሉ ንምርኣይ ህልኽ ከይሕዞ ከኣ ፈራሕኩ። ህልኽ ንዘለካ ኩሉ ክሳብ ዝጠፍእ’ውን ዝሓግድ ኣይኮነን።

+++++++++++++

Roma

     ጉዕዞ ናብ ሮማ ይጽበየኒ ኣሎ።

     ድሕሪ’ቲ ካብ ኣስመራ ብኬሩ ናብ ሳዋ ብናይ ጽዕነት መኪና ዝተጓዓዝክዎ ናይ 1996 ጉዕዞ’ይ እቲ ዝነውሐ’ዩ። ሳዋ ከብጽሓና ዝተላእከ መራሕ ኤነትረ፣ መኣዝኑ ኣጥፊኡ። ሳዋ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ በጺሕና። መራሕቲ መካይን መንገዲ ይጠፍኦም ምዃኑ ንመጀመርያ እዋነይ ሽዑ’የ ፈሊጠ። ካብ ካታንያ ናብ ሮማ ከብጽሓና ዝተበገሱ መራሕቲ ኣውቶቡስ መንገዲ ከይጠፍኦም’ሞ ናብ ጥራብሎስ ከይመልሱና ኣይተሻቀልኩን። ካልድ’ውን ኣይተሻቐለን። ባሕሪ ኣሎ ቅድሜና። ለካ ባሕሪ ይጠቕም’ዩ።

     ኣማስያኣ ካብ ካታንያ ዝተበገሳ ኣውቶቡሳት ክልተ ነበራ። ኣብ ቅድሚኤን ሲቺልያ ሮማ ተጻሒፉወን ይንበብ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ተሳፋርየን ብባሕሪ ዝሳገመ ስደተኛ ነበረ። መራሕቲ ኣውቶቡስ መጀመርያ ንደቀባት ድሕሪኡ ከኣ ንስደተኛ ትኬቱ እናረኣዩ በቦትኦም ኣትሓዙ።

     ካልድን ክልተ ብጾቱን ኣብታ ኣብ ጎንና ዝነበርት ኣውቶቡስ ክሳፈሩ ርኣኹ። ተደፋፊአ ብምውራድ ንመራሒ እታ ኣውቶቡስ ኣብዛ ካልኣይቲ ኣውቶቡስ ከምዝመርጽ ሓበርክዎ። ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝጸዓነት ነበረ’ሞ ብዘይእምቢታ ኣሕለፈኒ።

     ጎኒ ካልድ ዝነበረት መንበር ካልእ ሰብ ተቐሚጡዋ ነበረ። ኣባል ሰራዊት ኣግኣዚ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ’ዩ። መንበር ክቕይረኒ ሓቲተ ኣብ ጎኒ ካልድ ኮፍ በልኩ።

     12 ሰዓታት ጉዕዞ ብኣውቶቡስ፣ ዘሕዝን ዘስሕቕን ዕላላት ካልድን ብጾቱን ተቛስይዎ ብዙሕ ኣየድከመንን።

     ካብ ሲሲልያ ናብ ካላብርያ ዘስግር 3 ኪሎሜተር ዝርሕቀቱ ባሕሪ፣ ብመርከብ ኢና ሰጊርና’ዩ። ጽርግያ ኣስመራ ባጽዕ ብምህንዳስ ዝድነቀላ ኢጣልያ 3 ኪሎመተር ጥራይ ዝርሕቐቱ ንዞባታት ሲቺያን ካላብርያን ዝፈላለየ ባሕሪ ብድልድል ከተራኽብ ዘይምኽኣላ፣ ብዙሕ ዝተረፋ ከምዘሎ’የ ገምጊመ።

     ሓቲተ ዝረኸብክዎ ምላሽ ግና ካልእ ኮይኑ ጸንሓኒ። እቲ ከባቢ ብምንቕጥቓጥ ምድሪ ስለዝፍራሕ፣ ባሕሪ ዝስንጥቕ ድልድል ምህናጹ፣ ኣዋጺኢ ኣይኮነን ዝብል ነበረ። ዓለምና በጺሓቶ ምስ ዘላ ምዕባለ ኣዛሚደ፣ ዝተዋህበኒ መልሲ ኣየዕገበንን። ግን ከኣ ክቕበሎ ወሲነ።

     ተሳፊርናላ ዘሎና ኣውቶቡስ ብባሕሪ ክትሰግር ናብ መርከብ ብዝደየበት፣ ናይ 20 ደቓይቕ ዕረፍቲ ተዋህበ። ተሳፋራይ ካብ ኣውቶቡስ ወሪዱ ኣብ ውሽጢ’ታ ተመላላሲት መርከብ ሸናዕ በለ። ኣውቶቡስ ካብ መርከብ ወሪዳ ጉዕዞኣ ቀጸለት። ብድሕሪት ዝጸንሐ ተሓጋጋዚ ኣውቲስታ ብሃንደበት “ማንካ ኡኖ” ክብል ጨርሐ።

     ሓደ ተሳፋሪ ኣብ ከተማ መሲና ኣብ መርከብ ጠፊኡ ኣሎ ተባህለ። ኣውቶቡስ ደው ክትብል ተገደደት። ድሕሬና ትስዕብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ መሰጋገሪት መርከብ ጠፊኡ ንዝተባህለ ኤርትራዊ ሒዛ ኣርከበት። መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ብቋንቋ ጣልያን ብሁልን ዘይብሁልን ተዛረቡ። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን’ውን በብቛንቋኦም ብዙሕ ዋዕ ዋዕ በሉ። ኣውቶቡስ ዕዳጋ መሰለት። ዋዕዋዕ ንምስናድ መቕረጺት ድምጸይ ድልውቲ ገብርኩ።

     ብቋንቋ ጣልያን ዝዝረብ ዝነበረ ንምትርጓሙ ኣብ ማዕዶ ናብ ዝነበረ ሲቺልያኖ መንእሰይ ኣምሪሐ። መራሕቲ መካይን ዜጋታት ሮማንያ ኮይኖም ብዝተሰባበረ ጣልያንኛ ንስደተኛታት ይጻረፉ ምንባሮም ብዝተሰባበረ እንግሊዝኛ ከረድኣኒ ፈተነ።

     ስለምንታይ ነቲ ድምጺ ይቐርጾ ምህላወይ ሓተተ ኢጣልያዊ መንእሰይ። ዕላማ ዑደት ብዝነገርክዎ ከኣ ሮማ ክሳብ ንበጽሕ፣ ኣብ ብዙሕ ኣርእስታት ከነውግዕ ከኣልና። ዞባ ሲሲልያን ካላብርያን ብድልድል ዘይተራኽበሉ ምኽንያት ብሰንኪ ስግኣት ምንቕጥቓጥ ምድሪ ምዃኑ ዘረድኣኒ’ውን እዚ ሲቺልያኖ ነበረ። ስሙ ጃኮመ ነበረ። ኣብ ኣስመራ ጡብ ዝፈርየሉ ዝነበረ እንዳ ጃኮመ እትዝክሩ፣ ምናልባት ወዲ ወዱ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

+++++++++++++

roma2

     መንበረ ቄሳር ናብ ዝኾነት ሮማ ኣንጊህና ተራገፍና።

     ጉዕዞኦም ካብ ካታንያ ክከታተሎ ዝመረጽኩ ካልድን ሰለስተ ብጾቱን ናብ ዝኸድዎ ስኢኖም ዕንይንይን በሉ። ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ‘ትቡርቲና’ ምህላዎም’ውን ኣይፈለጡን። ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝተኣኻኸቡ ምዃኖም ግና ኣይዘንግዑን። ስደተኛ’ዩ ዝመስል ንዝበልዎ ካብ ምሕታት ኣየቛረጹን። ብዝግያውነት መግብን መጽለልን ዝረኽብሉ ቴንዳታትን ኣዳራሻትን ካብ ዘለውዎ ከባቢ ርሑቕ ከምዘይኮነ ተነግሮም። ክስዕቦም ወሲነ። ጸጸኒሐ ስእሊን ድምጽን ምቕራጸይ ኣይሓደሶምን።

     ኣብ ሕምብርቲ ሮማ፣ ብልምዲ ‘እንዳዳኒኤል’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ትካል ግብረ ሰናይ ቁርሲ ኣርኪቦም ኣለዉ። መግቢ ተሰሪዕካ’ዩ ዝውሰድ። ኣይተጋየሹን። በዒንቶም ካታንያን ሮማ መንበረ ቄሳርን ፍልልይ የብለንን። ኩለን ኢጣልያ’የን። ባር ሓበሻ’ውን ኣብ ጎኒ’ዚ ትካል ግብረ ሰናይ’ያ ትርከብ። ገንዘብ ብቕልጡፍ ክሕወለሎም ዝኸኣሉ ስደተኛታት፣ ቅድሚ ቀጻሊ ጉዕዞ ኣብዛ ባር እዚኣ’ዮም ዝዘናግዑ።

     ዓምር ኣድም ኣብ 2003 ካብ ኤርትራ ዝወጸ ኣባል ሚኒስተሪ ዜና ነበር’ዩ። ብወለንትኡ ኣብ ሮማ ኣብ ግብረ ሰናይ’ዩ ዝነጥፍ። ሮማ ዘላቶ ኩነታት ክሕብረኒ ኣቐዲመ’የ ቆጸራ ሒዘ።
ክረምቲ ምስ ምዃኑ፣ በጻሕቲ ሃገር፣ ንጉስ ቄሳር ዝዓረፈሉ ግንቢ፣ ባዚሊካን ኮለስየምን ክዕዘቡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ልብኻ’ዮም ዝህውጹ። 20ደቃይቕ ብእግሪ ናብ ማእከል እታ ከተማ ዘምርሐ በጻሕ ሃገር ካልእ ምስሊ ሮማ’ዩ ዝዕዘብ። ብቴንዳታት ዝቖመ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣምሲሉዋ ይርአ ንሮማ። በጻሒ ሃገር ኣይኮንኩን ግና ኣቃልቦይ ስሒቡ። ሞያዊ ሰኣላይ’ውን ኣይኮንኩን። ንሰነድ ዝኸውን ኣሳእል ኣልዓልኩ።

     ቀየስቲ ጉዕዘይ ካልድን ክልተ ብጾቱን’ዮም። ካብ ሮማ ብቀጥታ ብመንገዲ ፓሪስ ናብ ካልእ ዝስገረሉ መንገዲ ኣብ ምጽናዕ’ዮ ሓዲገዮም። ወሰንቲ ክኢላታት ካርታ ሰምሰርቲ’ዮም። ካልድ ምስ ብጾቱን ፣ዝጽወር ሳንጣን ለቆታን የብሎምን። ካልድ ካብታ ዝገደፍክዎ ቦታ ርሒቑ ከምዘይከይድ ኣጽኒዐ ኣለኹ።

++++++++++++++++

roma3

     ዓምር ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣኳርየም ናይ ዓሳን ኣብ ጋብያ ዝተታሕዛ ጨራሩን ምህላዉ ኣድነቕዎ። ዝኾነ ዓይነት እንስሳ ዘቤት ክውንን ዓቕሊ የብለይን። ዓምር ለውሃቱ ንሰብ ጥራይ ከምዘይኮነ ኣብ ዓሳን ጨራሩን’ውን ተዓዚበዮ ኣለኹ። ጭውነት ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ንዘለዎ ኣመለኻኽታ’ዩ ዝምዘን።

     ዝተረፈ ምሸት ኣብ ሕሜት ኢና ኣሕሊፍናዮ። ኣባላት እንዳ ዜና ነበር ምስ ምዃና ዘይሓመናዮ ኣባል እንዳዜና ዳርጋ ኣይነበረን። ብፍላይ እኳ ነቶም ኣረገውቲ።

     ምስ ዘሎኒ ድኻም መንገዲ እንተሓጸረለይ፣ ሮማ – ሚላኖ ብባቡር ክኸዶ’የ መሪጸ። ካልድ ምስ ክልተ ብጾቱ ገንዘብ ክሕወለሎም ስለዘይክኣለ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሮማ ክጸንሑ’ዮም። ክሳብ መዓስ ኣይፈለጡን። ንጎዶት ምጽባይ’ዩ።

     ሚላኖ ምስ ናፖልዮንን ካልኦት ሰብ ዝናን ዝተተሓሓዘ ታሪኽ ከምዘለዋ ክውረየላ ሰሚዐ ኣለኹ።

     ፌስቲቫል ክከታተል ዝተላእከ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና’የ ዘኪረ። ኣብ ሚላኖ ኣብ ጎደናታት ብዛዕባ ዝረኸቦም ኤርትራውያን መናእሰይ፣ ዓዘራ’ዩ ዝዛረብ። ፓስፖርትን ቪዛ ተዋሂብዎ ናብ ኤውሮጳ ምምጽኡ ኣምሳያ ናይቲ ንመንግስቲ ምእዙዝ ምዃኑ ኣይዝንግዖን’ዩ። ፓስፖርት ምውናንን ብዘይገደብ ምንቕስቓስን መሰሉ ምዃኑ በዚ ናይ ሓለፋ ፓስፖርት ተዛንዩ ግዲ ኮይኑ ጨሪሹ ኣየልዓሎን።

     “መናእሰይ ኣብ ሚላኖ ተደርብዮም’ዮም ዘለዉ፣ ብኽብረቶም ኣብ ዓዶም ምሐሾም፣” ምባሉ ኣይተረፈን። ስለምንታይ ዝብል ግዙፍ ሕቶ’ውን ጎስዩዎ’ዮ። እንተልዓሎ’ውን ገግለቱ ደኣ’ምበር ጽራዩ ሲ ፈሪሕዎ። ደሓር ከኣ ስኽራን መዓስ ጥዑም ኮይኑ። ጽራይ ምጭላጥ ስኽራን’ዩ ዘስዕብ። ሰኽራም ከኣ ናይ ልቡ’ዩ ዝዛረብ።

     ሚላኖ ካብ ትዕዝብቲ’ዚ መንእሰይ ብዝተፈልየ ጦብላሕታ’የ መዝጊበላ።

     “ጓሳ ከም ዘይብሎም ኣባጊዕ ፋሕ ኢሎም ርኣየዮም’ሞ ደንገጸሎም፣” ዘዕበየነ ፍልስፍና’ዩ። ካብ ሃይማኖት ምባሉ ፍልስፍና እንተቐለለኒ ኣይትሓዙለይ።

     ጥንታዊ ቦታ ፖርታ ቬነዝያ ብዙሩያኡ ብምጽወታ ዝዕንገሉ ኤርትራውያን ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ መሊኦም’ዮም። ኣብያተ መግብን ባራትን ሓበሻ ዝበዝሖ ከባቢ ሚላኖ ካብዚ ቦታ’ዚ ርሑቕ ኣይኮነን። ብዝሒ ዘለዎም ካልኦት’ውን ኣብ ሚላን ቸንትራለ መዓርፎ ባቡር፣ ኣብ ኩርንዓት ተጎንብዮም ትዕዘብ። ዕድል ነንዝረኸብኩ ከዘራርቦም’የ ዝፍትን። ካሜራን መቕረጺ ድምጽን ፍቑድ ኣይኮነን። ብውሕዱ ሎሚ ምሽት ናብ ፓሪስ ዝብገስ እንተሎ ንምፍላጥ’የ። ግርህ ኢሉ ዝምልስ የለን። ሓቆም ከኣ፣ መን ጉሒላ መን ቶኽላ ከመይ ይፍለጥ።

     ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝብገሳሉ ሰዓታት ኣጽኒዕካ ሓዲኡ ምውሳን ዝሓሸ ኣማሪጺ’ዩ። ብለይቲ ናብ ፓሪስ እትጓዓዝ ባቡር ናይ መወዳእታ ምርጫይ ኮነት።

     ባጎኒ 17፣ መደቀሲ ዓራት 65’ያ በጺሓትኒ። ሽዱሽተ ሰባት ኣብ እትሕዝ ክፍሊ ናብ ኢድ የማን ኣብ ላዕሊ እትርከብ ዓራት’ያ። ሽዱሽተ ሰባት ክትሕዝ ዝነበራ ክፍሊ ኣርባዕተ ጥራይ’ዮም ተረኺቦም።

     ኣዝመራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቢዝነስ ዝመጸት ኢትዮጵያዊት’ያ። ናይ መወዳእታ መዓልቦኣ ኣምስተርዳም ኮይኑ ብፓሪስ ክትሓልፍ’ዩ ትኬት ተቖሪጹላ። ኣብ ሆላንድ “ኤርትራዊት’የ” ኢላ ዑቕባ ክትሓትት’ያ። መሰነይታ ሰነድ ዝኾና ናታን ናይ ወላዲታን ናይ ኤርትራ ግዝያዊ መንነት ወርቀትን ካልእ ሰነዳትን ሒዛ’ያ። ክንድኡ ዝሓደሰ ናይ ኤርትራ ግዝያዊ መንነት ወረቀት ክርኢ ቦኽሪ ዓይነ’ዩ። ዝተሰነዐ ምዃኑ የፍልጥ’ዩ።

     ቢንያም ኣብ ኢጣልያ ነዊሕ ዝገበረ’ዩ። ናብራ ኢጣልያ ኣሰልክይዎ ፈረንሳ እንተሓሸ ኣንጄ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከቡ መቕርቦ’ዮም ዓዲሞሞ። ሃገራት ቆራሪጹ ቆጵሮስ ዝበጽሐ ኔፓላዊ ድማ፣ ብናይ ቆጵሮስ መንበሪ ፍቓድ ናብ ፓሪስ ንምእታው ዝፍትን ዘሎ’ዩ።

     ኣርባዕተ ባጎኒታት ናይታ ባቡር ብስደተኛታት ዝተጎብአ’ዩ። ብየማነ ጸጋምና ዝርከባ ክፍልታት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ዕላላቶም ኣፍሊጡና ኣሎ።

Milan

     ሰዓት 11፣ 05 ናይ ምሸት ዝተበገሰ ባቡር ብማእከላይ ፍጥነት ሰዓት 2 ለይቲ ኣብ ዶብ ፈረንሳ በጺሑ። ሞተር ኣጥፊኡ ጸጥ በለ።

     ባጎንታት፣ ፓስፖርት ብዝሓቱ ፈረንሳውያን ሓለዋ ዶባት ተናወጸ። ለይቲ መዓጹ እናደሰቕካ መንቀሳቐስ ክሕተት ሓድሽ ተሞክሮ ኣይነበረን። ተሳፋርቲ ባጎንታት 15፣ 16፣ 17ን 18ሸበድበድ በሉ። ካሜራይን መቕረጺት ድምጽን ኣዋዲደ ኣለኹ። ንሓለዋይ ዶባት ፈረንሳ ባህ ኣየበሎምን። ዝተሓናፈጸ ቋንቋታት ፈረንሳ፣ እንግሊዝ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ካልኦትን ግንቢ ባበል ኣምሰልዎ።።

     ካሜራን መቕረጺ ድምጸይን በሪሀን ዝተዓዘበ ኣባል ፖሊስ ፈረንሳ ተመጣጢሩ መንዝዐን። ዘርጣጥ ጨምጫም የዒንቲ’ዩ። ፈረንሳዊ ኣይመስልን። ንብረተይ ክመልሰለይ ዘቕረብክዎ ምጉት ፋይዳ ኣይነበሮን።

     ኣርባዕተ ባጎኒታት ዳርጋ ጥርሐን ተረፋ። ኣዝመራ፣ ብሻቕሎትን ነዊሕ ጉዕዞን ንኣስታት 24 ሰዓታት ኣይደቐሰትን። ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቢዝነስ ዝተዋህባ ሸንገን ቪዛ ከተኣማምና ኣይከኣለን። ቢንያም’ውን እንተተገደደ ናብ ኢጣልያ ይምለስ ግዲ’ሉ ብዙሕ ግምት ኣይሃቦን። ክልቲኦም ጉዕዞም ናብ ፓሪስ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ተሓበሮም። ሩፍታ ተሰምዖም። ኣዝመራ ከም ቆልዓ ጸጥ ኢላ ደቒሳ። ቢንያም ምልክት ቅሳነት፣ ርዝን ዝበለ ምሕርናኽ ኣስመዐ።

     ድምጺ ባቡር እንደገና ክሕንሕን ተሰምዐ።

     ብጓለነስተይቲ ዝተመርሑ ኣባላት ፖሊስ ናብ ክፍልና መጹ። ስለምንታይ ብካሜራን መቕረጽ ድምጽን ይስንድ ምህላወይ ሓተቱ። ዕላማ ምቕራጸይ ሓቢረ። ብዘይፍቓድ ምስኣል ኮነ ድምጺ ምቕራጽ ብሕጊ ከምዘቕጽዕ ኣፈራርሑ። ዝሰኣልክዎ ነገር ከይህሉ’ውን ከረጋግጹ ደለዩ። ሒደት ኣሳእል ደምሰሱ። ጸላማት ስለዝነበረ ግና ዝጠቕም ስእሊ ኣይነበረን።

     ፖሊስ ፈረንሳ ዘርኣይዎ ታህዲድ ዘየቖጥዓኒ ኣይኮነን። ዝመስለኒ ክምልስን ክሓትትን ዕድል ምሃቦም ከኣ ኣደዓዓሰኒ። መሰልካን ግቡእካን’ውን ይኹን ምስ ፖሊስ ምምልላስ ማዕረ ምስ ፈጣሪ ምድፋር፣ ሓጢኣት ምዃኑ ካብ ዝንገረላ፣ ኤርትራ ዝተባህለት ዓዲ ከምዝመጻእኩ ክነግሮም ምደለኹ- ንፖሊስ ፈረንሳ። ምዃን ከኣ ካልኦም ይኣኽሎም። ኤርትራ ብስደት ድቃስ ከሊኣቶም ኣላ። ንሶም’ውን ንስደተኛ ድቃስ ከሊኦሞ ኣለዉ። ሰደተኛ ኣይደቀሰ፣ ንሶም…።

     ተሓንባቢ ባቡር ናይ መወዳእታ ጉዕዞኡ ንምፍጻም ይሕንሕን ኣሎ።

     ፓሪስ ክበጽሕ ተሃንጠኹ። ንውሕ ካብ ዝበለ መገሻ ናብ ኣስመራ ክምለስ ዝስምዓኒ ዓይነት’ዩ። ናይ ስደት ቤተይ ለሚደያ ኣለኹ ማለት’ዩ። ለካ ኩሉ ይልመድ’ዩ። ህይወት ከምኡ’ያ።

    C’est la vie!

 

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
20 ሓምለ 2015

=================================

 

 

 

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0