መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ከም ናቱ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣስማቶም ክቕይሩ ኣዊጁ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ከም ናቱ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣስማቶም ክቕይሩ ኣዊጁ

Radio Erena: 23 December 2014

Kim

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ፣ ከም ናይ መራሕቲ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ተመሳሳሊ ስም ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣስማቶም ክቕይሩ ኣዊጁ።

እቲ ብመንግስታዊ መደበር ቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፣ ‘ክትግበር ዘለዎ ዕማም’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለወ ሓተታ ኮይኑ፣ እቶም ድሮ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ዝመሳሰል ኣስማት ዘለዎም ዜጋታት ብፍቓዶም ኣስማቶም ክቕይሩ ጸዊዑ ኣሎ።

ብሕጂ ዝውለዱ ህጻናት ከኣ ከም ናይ ስም እቲ ወዲ 31 ዓመት መራሒ ከይወሃቦም ኣጠንቒቑ።

 

እንተኾነ እቲ ብቴሌቪዥን ዝቐረበ ሓተታ፣ ነዚ ኣዋጅ እዚ ዘየተግበረ ዜጋ ሰሜን ኮርያ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰደሉ’ዩ ኣይሓበረን።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነዚ ኣዋጅ ዝኣወጀሉ ስምን ክብሪ ናይቲ መራሒ ንምሕላው ምዃኑ ኣብቲ ሓተታ ተጠቒሱ ኣሎ።

ሰሜን ኮርያ ካብ መጀመርያ 1950ታት ነታ ሃገር ዝምርሑ ኣብኡን ኣባሓጎኡን ነዚ ናይ ሕጂ መራሒ’ውን ተመሳሳሊ ኣዋጅ ኣውጽኦም ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።

31 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ታሕሳስ 2011 ብሞት ካብ ዝተፈልየ ኣቡኡ ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0