ፑንትላንድ 206 ኢትዮጵያውያን ቀይዳ

ፑንትላንድ 206 ኢትዮጵያውያን ቀይዳ

Radio Erena: 23 December 2014

Pun

ሓይልታት ጸጥታ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ 206 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ማረሮ ብላጅባ ድሕሪ ምብጋሶም ክትሓዙ ከምዝኸኣሉ’ዩ ጸብጻብ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ’ዮም ዝበለ ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

 

መዓልታዊ 10ታት ኢትዮጵያን ብመንገዲ ጅቡትን ኬንያን ኣቢሎም ናብ ሶማልያን ርእሰ ምምሕዳራታን ድሕሪ ምእታዎም፣ ጉዕዝኦም ብባሕሪ ብምቕጻል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብየመን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ከምዝሕልኑ’ዩ ዝግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን በዚ መንገዲ’ዚ ናብ የመን ንምእታው ዝሓለኑ 70 ኢትዮጵያውያን ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

በዚ መንገዲ’ዚ ዝኣተዉ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ልዕሊ 246 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0