መማህራን ናብ ታዕሊም ንምውራዶም፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ትምህርት ቅድሚ ምዱብ ግዜኡ ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ

መማህራን ናብ ታዕሊም ንምውራዶም፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ትምህርት ቅድሚ ምዱብ ግዜኡ ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena : 18 February 2015

Abotat Maylam

መማህራን ናብ ታዕሊም ንምውራዶም፣ ናይዚ ዓመት እዚ ትምህርቲ ቅድሚ ምዱብ ግዜኡ ቀልጢፉንኽዛዘም ይስርሓሉ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

መንግስቲ፣ ነቶም ካብ 40 ክሳብ 60ታት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ክደፍኣሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ መማህራን ሞያ ዘለዎም ኣቦታት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ብዘይምኽእሎም፣ ትምህርቲ ቅድሚ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ክዛዘምን ነቶም መማህራን ድማ ናብ ታዕሊም ንምውራዶምን ይድፍኣሎ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

 

ናይዚ ዓመት እዚ ትምህርቲ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜኡ ንምዝዛሙ፣ ኣብ ገለ እዋናት ተማሃሮ ክሳብ ቀዳም ክመሃሩ ይግበር ከምዘሎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ካብ 40 ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ኣብዚ እዋን’ዚ ማይ ላም ኣብ ዝተባህለ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ታዕሊም ከምዘለው ይፍለጥ።

እቶም ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ሓዳሮም፣ ናብርኦምን ስርሖምን ጠንጢኖም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ብተደጋጋሚ እዋን ክነጽግዎ እኳ እንተጸንሑ፣ እቲ መንግስቲ ብኩፖንን ስድራቤታት ብጥንሜት ክቐጽዕ ምዃኑን ከም ማእሰርትን ካልእን ዝኣመሰለ ምፍርርሓት ብምዝርጋሕን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ኣገዲድዎም ይርከብ።

=======================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0