ሩስያ ብመንገዲ ወደብ ሖዴይዳ ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ሑቲ ኣትዩ

ሩስያ ብመንገዲ ወደብ ሖዴይዳ ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ሑቲ ኣትዩ

Radio Erena : 18 February 2015

CargoRu

ሩስያ ብመንገዲ ወደብ ሖዴይዳ ናብ መንግስቲ የመን ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ሑቲ ከምዝኣተወ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ሩስያ ዝተላእከ ሰለስተ ሱኸይ 27 ዝዓነተን ነፈርትን ካልእ ወትሃደራዊ ንዋትን ዝጸዓነት ናይ ዩክሬን ምዃና ዝተሓበረ መርከብ፣ ናብ ወደብ ሖዴይዳ ድሕሪ ምጽግዓ’ያ ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ሑቲ ወዲቓ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ጻዒት ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን’ያ ሩስያ ናብታ ሃገር ኣጽዋር ከምዝልኣኸት ዝጥቐስ ዘሎ።

 

እንተኾነ ሩስያ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነት መግለጺ ኣይሃበትን።

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2014 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ ዝኣተወ ወደብ ሖዴይዳ፣ ብዕብየቱ ድሕሪ ዓደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ክከውን እንከሎ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድማ እቲ ዝዓበየ ወደብ ናይታ ሃገር’ዩ።

ወደብ ሖዴይዳ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ38 ኪሎሜተር ጥራይ’ዩ ርሒቁ ዝርከብ።

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ሰንዓ ድሕሪ ምቁጽጻር ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዓደን ይግስግሱ ከምዘለዉ’ዩ ዝሕበር።

ንኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ባብ ኤል መንደብ ከይዓጽዉ’ውን ስግኣት ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኩነታት የመን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሻቓሊ እናኾነ ስለዝመጸ፣ ሓያሎ ሃገራት ኤምባሲታተን ምዕጻው ይቕጽላ ኣለዋ።

ዛጊት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ኤምባሲታትን ክዓጽዋ እንከለዋ፣ ካልኦት ሃገራት ድማ ንብዝሒ ኣባላት ሰራሕተኛታተን ኣብ ምጉዳል ይርከባ።

የመን ኣብዚ እዋን’ዚ ማእከላይ መንግስቲ የብላን።

እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ሕንፍሽፍሽን ኵናት ሓድሕድን ከይተምርሕ’ውን ተሰጊኡ ኣሎ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0