ሕ/ኤ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ንምብጻሕ ዘካየዶ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወተን

ሕ/ኤ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ንምብጻሕ ዘካየዶ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወተን

Radio Erena: 22 July 2015

Dis ref

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ንምብጻሕ ብ20 ሓምለ ዘካየዶ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ኣተዓወተን።

እቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ን32 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ መደብ ንምትግባር ኣፈናዊ ምርርድዳእ ክገብር እንከሎ፣ ናይ ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት ጉዳይ ግና ዛጊት ኣብ ስምምዕ ክብጽሓሉ ኣይከኣለን።

ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራማፓውሎስ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ኣስታት 32 ሽሕ ስደተኛታት ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ 28 ሃገራት እቲ ሕብረት ክመቃርሑ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ናይቶም ዝተረፉ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ውሳኔ ክበጽ ትጽቢት ምህላዉ ኣረዲኡ።

 

ናብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝኣተዉ መብዛሕቶንም ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝርኬብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት፣ ናብ 28 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምምቕርሖም ሃገራት እቲ ሕብረት ተደጋጋሚ ዘተ ካከይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ሚኒስተራት እዘን ሕብረት’ውን ኣቐዲሞ ብ9 ሓምለ ኣብ ሉክሰንበርግ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብዛዕባ’ቲ ከሰማምዖም ዘይክኣለ ምቕረሐ ብዝሒ ስደተኛታት ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክበጽሑ’ውን ተረዳዲኦም ምንባሮም ይዝከር።

ይኹን’ምበር እዘን ሃገራት ብዝዕባ’ቶም ኣብዘ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ውድኡ ስምምዕ ከይበጽሓ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ብዕጽፊ ዛይዱ ምህላዉ ካልእ ብድሆ ኮይንወን ኣሎ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0