እስራኤል፣ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከይትሰጉግ ብተጣበቕቲ ዝቀረበ ጻውዒት ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

እስራኤል፣ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከይትሰጉግ ብተጣበቕቲ ዝቀረበ ጻውዒት ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

Radio Erena: 22 July 2015

Holtsah

መንግስቲ እስራኤል፣ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከይሰጉግ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቀረበ ጻውዒት ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተነጺጉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብዘይካ’ዚ፣ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክኸዱ ፍቓደናታት ንዘይኮኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ንዝብል ውሳ መንግስቲ እስራኤል ንምቅዋም በቶም ተጣበቕቲ ንዝቐረበ ምሕንጽታ’ውን ኣይተቀበሎን።

 

ኣብ ሖሎት ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ናብ ሩዋንዳ ክኸዱ ንዝግበረሎም ዘሎ ምድፍፋእ ድሕሪ ምንንጻጎም ናብ ቤት ማኣሰርቲ ሳሃሮኒም ክሰጋገሩ ምዃኖም ተነጊሮዎም እኳ እንተነበረ፣ ጉዳዮም ናብቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቅራቦም ግና ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ሖሎት ክጸንሑ እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ’ውን ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሃረጽ የረድእ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ክፉት ቤት ማኣሰርቲ ሖሎት ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሑ ምውሳኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮኒኖም።

ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን 40 ዝኾኑ ኤርትራዉያን ናብ ሩዋንዳ ክጥረዙ ተሓቢርዎም ምህላዉ’ውን እቲ ማዕከን ዜና የመልክት።
==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0