ሕ.ኢ.ዓ. ንኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ዘዳውብ ወደባት ሓድሽ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ

Radio Erena: 30 April 2017

uae baseሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ዘዳውብ ወደባት ሓድሽ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ከምዘላ ተገሊጹ።

ማዕከን ዜና ኩወይት ታይምስ ብ29 ሚያዝያ ንኣመሪካውያን ወተሃደራዊ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እትሃንጾ ዘላ መዋፈሪ ነፈርቲ ኲናት፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ የመን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሑቲ ድጋፍ ንምሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዋንነት የመን ዝኾነ ደሴታት ፐሪም ወይከኣ ማዩን፣ ንቀይሕ ባሕሪ፣ መትረብ ስወጽ፣ ወሽመጥ ጋልፍ ከምኡ’ውን ንህንዳዊ ውቅያኖስ ዘዳውብ ስትራተጂካዊ ቦታ ብምዃኑ፣ መዓልታዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝመሓላለፋሉ መስመር’ዩ።

ኣቐድም ኣቢላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ እትርከብ ደሴት ሶኮትራ ሰራዊታ ኣዋፊራ ምንባራ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ዓሰብ ግዚያዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ምህናጻ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ናይ ብሕቲ ናይ ስለያ ትካል ስትራፎር ምግላጹ ይዝከር። እቲ ናይ ስለያ ትካል ብሳተላይት ዝተላዕለ ስእልታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ታንክታት፣ ነፈርቲ ውግእን፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ዘአንግድ መዓስከር፣ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ይረአ ምንባሩ ይሕብር።

ኢማራት ዓረብ፣ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ዕጡቓት ኣልሑቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመራሉ ካብ ዝሓበራ ቀዳሞት ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

=============== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0