ሕ/ኢ ዓረብ፣ ርእሰ ቅትለት ዝፍጽማ ኢትዮጵያውያን እናበዝሓ ይመጻ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ሕ/ኢ ዓረብ፣ ርእሰ ቅትለት ዝፍጽማ ኢትዮጵያውያን እናበዝሓ ይመጻ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 February 2018

ethio

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተዋፊረን ካብ ዝርከባ ኢትዮጵያውያን፣ ርእሰ ቅትለት ናይ ዝፍጽማ ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ቆንስል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣቶ ይበልጣል-ኣእምሮ ኣለሙ ምስ ጋልፍ ኒውስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ንሱ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2017፣ 10 ኢትዮጵያውያን ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጡ።

ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብሸሞንተ ከምዝዛየደ ዝሓበረ እቲ ቆንስል፣ እዚ ቁጽሪ’ዚ ናይ ኣቡ ዳቢን ኣል ዒንን ከምዘየጠቓልል ኣነጺሩ።

 

ፖሊስ ዱባይ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ድማ እቲ ኣብ ሳርጃ፣ ዓጅማን፣ ራስ ኣልክያማን ካልእ ከባቢታት ኢማራትን ዝተራእየ ፍጻሜ፣ ርእሰ ቅትለት ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ካብቶም ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ኢትዮጵያውያን፣ እተን ሸውዓተ ደቀንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ እቶም 3 ድማ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ንዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ንምቅዋም፣ ናብታ ሃገር ብስራሕ ንዝኸዱ ዜጋታታ ደው ኣቢላቶ ምንባራ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ናይ ሰራሕተኛታትን መሰላቶምን ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድሕሪ ዝበጽሓቶ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ፣ ዜጋታታ ናብ ኢማራት ከይዶም ክሰርሑ ፈቒዳ ኣላ።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መብዛሕተን ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ዝርከብአን ኣስታት 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ጸብጻብ ጋልፍ ኒውስ የመልክት።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕን ካልእን ተዋፊሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ካብዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ብዘይፍለ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ከምዝወርዶም ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝወርድ ግፍዕታት ዝኾነ መግለጺ ክህበሉ ኣይጸንሐን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0