ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ 17 ቢልዮን ባጤራ የመን ዝጸዓነት መርከብ ናብ ዓደን ከይትኣቱ ከልኪላ

ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ 17 ቢልዮን ባጤራ የመን ዝጸዓነት መርከብ ናብ ዓደን ከይትኣቱ ከልኪላ

Radio Erena: 08 March 2018

yemeni bankሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 17 ቢልዮን ባጤራ የመን ዝጸዓነት መርከብ ናብ ወደብ ዓደን ከይትጽጋዕ ከልኪላ ከምዘላ ሰበ ስልጣን መንግስቲ የመን ገሊጾም።

እቲ 680 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ገንዘብ፣ ባጀት ናይቲ ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕ መንግስቲ ምዃኑ እቶም ሰበ ስልጣን ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ንወደብ ዓደን ተቖጻጺራ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ናብ መንግስቲ የመን ዝቐንዐ ገንዘብ ዝጸዓነት መርከብ ዝኸልከለትሉ ምኽንያት ኣይሓበረትን።

ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ምስ መንግስቲ የመን ኣብ ምፍሕፋሕ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንህላወ እቲ መንግስቲ ንምድኻም ነቲ ገንዘብ ናብ ዓደን ከይኣቱ ከምዝኸልከለቶ ይግለጽ።

ዝበዝሐ ክፋል እቲ ገንዘብ፣ መኽፈል ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምዃኑ’ውን እቶም ሰበ ስልጣን ገሊጾም።

መንግስቲ የመን ኣጋጢምዎ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ባጤራ ቅልውላው፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዝ ኣይተኸፍሉን።

ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ብምፍጻም፣ ኣብ ዓደን ንዝርከብ ቤትመንግስቲ ተቖጻጺራ ከምዘላ’ዩ ዝወቅስ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0