ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብምኽንያት  8 መጋቢት ዋዕላ ከካይዳ’የን

ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዋዕላ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 06 March 2018

Women for Justice

ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ዝኾና፣ ኣብ ዞባ ኤውሪጳ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ኣብ ኔዘርላንስ፣ ከተማ ዘ ሄግ ዋዕላ ከካይዳ’የን።

እቲ ን9ን 10ን መጋቢት ዝካየድ ዋዕላ፣ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ንዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ዘለውኦ ኩነታትን ኣብ መዳይ ምቅላስ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ክህልወን ዝግባእ እጃምን ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ ኣባላት ወዳቢት ኮሚተ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ ገሊጸን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ሓሙስ 8 መጋቢት’ውን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ንዝወርድ ዓመጽ ንምቕዋም፣ ኣብ ዘ ሄግ ቀጽሪ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0