ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሶማሊላንድ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትሓትት

Radio Erena: 26 January 2017

Somali

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ብወግዒ ከምዝሓተተ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ካብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝህብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይካ’ቲ ኣብ ወደብ ሃርጌሳ እተሰላስሎ ዘላ ንግዳዊ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት’ውን ንመንግስቲ’ቲ ርእሰ ምምሕዳር ብወግዒ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።

እንተኾነ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ጠለብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከተማልእ ድልውቲ ብዛዕባ ምዃናን ዘይምዃናን ዝተነጸረ ነገር የለን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሻዓድ ዓሊ ሺረ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ዘቕረቦ እማመ መንግስቲ ‘ቲ ርእሰ ምምሕዳር ከምዝተቐበሎ ወይ ከምዝነጸጎ እኳ እንተዘይተረጋገጸ፣ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዎ ጽቡቕ ዝምድና ከህስስ ከምዘይደሊ ግና ሓቢሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትሓትት ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ንምህናጽ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ስርሒታታ ንወደብ ዓሰብ ትግልገለሉ ከምዘላ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ወደብ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውናን ድሌት ከምዘይብላ’ዩ ዝንገር።

ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትሕብባር፣ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ተንተንቲ ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0