ሕ/ ኢማራት ንየመን ንምብትታን ትሰርሕ ከምዘላ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ የመን ወቒሱ

ሕ/ ኢማራት ንየመን ንምብትታን ትሰርሕ ከምዘላ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ የመን ወቒሱ

Radio Erena: 27 February 2018

UAE Yemen fight

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንየመንንምብትታን ትሰርሕ ከምዘላ፣ ሚኒስተር መራኸቢታት መንግስቲ የመን ሳልሕ ኣል ጋንዋሚ ውቒሱ።

ንሱ ነዚ ዝውቕስ ዘሎ፣ ብሕቡራት ኢማራት ጥራይ ዝእዘዙ ኣብ ዓደን ዓሲሮም ዘለዉ ብሻባዋ ዝፍለጡ ፍሉያት ሓይልታት፣ ንምንቕስቓስ ናይቲ መንግስቲ ደሪቶም ከምዘለዉ ብምግላጽ’ዩ።

እዞም ብ “ሻባዋ ኤሊት ፎርስ’ ዝፍለጡ ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ዓሰብ ዝሰልጠኑ ኮይኖም፣ ኣብ ዓደን ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስትን ካልእ ኣገደስቲ ትካላትን ተዋፊሮም ዝርከቡ’ዮም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስቲ ኣብ ዓደን ቤት ጽሕፈቱ ዝኸፈተ መንግስቲ የመን ብምዃን ኣንጻር ሕቱ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ እኳ እንተጸንሑ፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ግና ኣብ ሓድሕዳዊ ግጭት ተጸሚዶም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እቶም ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝእዘዙ ፍሉያት ሓይልታት ኣብ ዓደን ንዝርከብ ቤት መንግስቲ የመን ከምዝተቖጻጸሩ’ውን ኣይርሳዕን።

ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ነቲ ፍጻሜ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብል ከምዝገለጾ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት፣ ዓወት ክሓፍሳሉ ብዘይምኽኣለን፣ ኣብ ወትሃደራውይን ፖለቲካውን ተስፋ ምቑራጽ ከምዝርከባ ተንተንቲ የረድኡ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0