ሕ/ኢማራት፣ ኣብ ሶማሊላንድ ዝነበራ መደብ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተሰሪዙ

Radio Erena: 23 September 2019

ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝነበራ መደብ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተሰረዘ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ ገሊጹ።

ንሱ ዝሓለፈ ሰሙን ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ብሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ከባቢ ወደብ በርበራ ክህነጽ ጀሚሩ ዝነበረ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ደው ኢሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ እቲ ፕሮጀክት ናብ ሲቪላዊ ዕላማ ተቐይሩ ንኻልእ ኩባንያ ክወሃብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2017 ዝጀመረ ምህናጽ እቲ ወትሃደራዊ መዓትፎ ነፈርቲ፣ ኣካታዒ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ የመን ዝጀመረ ኵናት፣ ንኤርትራን ሶማሊላንድ ከም መንሃርያ ንክጥጥቐመለን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ስምምዕ ከምዝኸተመት’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንወደብን መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ከምኡ ድማ ንስልጠና ሰራዊት ዝኸውን ካልእ መዓስከር ክትከፍት እንከላ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ቀዋሚ መዓርፎ ነፈርትን ወትሃደራዊ መዓስከራትን ንምኽፋት መደብ ኔሩዋ።

እንተኾነ፣ ሮይተርስ ንመግለጺ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ ምህናጽ እቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጠቕሊሉ ደው ኢሉ ኣሎ።

ምኽንያቱ ግና ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ወትሃደራዊ ጽልዋታት ንምዕባይ እትሰርሕ ዘሎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስምምዓት ንምኽታም ዘኽእላ ወትሃደራዊ ዘተ ኣካይዳ።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጀነራል ሓማድ መሓመድ ታኒ ኣል ሩማይቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ መዘንኡ፣ ጀነራል ኣደም መሓመድ፣ ብ19 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0