ሕቶ ዑርዋ ንዓሊ ዓብዱ

ሕቶ ዑርዋ ንዓሊ ዓብዱ

Radio Erena: 28 November 2014

Ali faces

     ድምጺ ቴሌፎን…………

      ሃለው! 

     ሃለው!

     ስሙ ነጊሩ ቁጽሪ ሞባይል ቴሌፎነይ ካብ መን ከምዝረኸቦ ሓበረ።

     “ሕራይ ጽቡቕ እንታይ ክተሓባበረካ?”

     “ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብዙሕ ዓመታት ዲኻ ሰሪሕካ?”

     ንሕቶይ ብሕቶ’ዩ ተቐባቢልዎ።

     ትሽዓተ ወይ 10 ዓመት ብዙሕ ዓመታት ዘብል እንተኾይኑ? ብዙሕ ዓመታት ሰሪሐ ኣለኹ ማለት’ዩ። ግደ ሓቂ ግና ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ ሓሲበሉ’ውን ኣይፍለጥን።

     እወ ወይ ኣይፋል ቅድሚ ምባለይ ከኣ ዝሰራሕክሉ ብዝሒ ዓመታት ጥራይ ነጊረ፣ ስለምንታይ ይሓተኒ ምህላዉ ደጊመ ሕቶ ኣስዓብክሉ።

     “ዓሊ ዓብዱ ትፈልጦ እንተኾንካ፣ ሓደ ሓደ ሕቶታት ኣሎኒ እሞ ክሓተካ?”

      ወጻእተኛ’ዩ። ብቴሌፎን ብዝሰምዖ ዘለኹ ድምጺ ኸኣ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝርከብ ይመስል።

     ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ከም ምዃነይ መጠን ዓሊ ዓብዱ ከም ምክትል ሚኒስተር ኮይኑ ክሽየም፣ ኣብ እንዳ ጋዜጣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣዳራሽ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዝጸውዖ ናይ ሃታ ሃታ ኣኼባ ከምዝተሓበረና እዝክር። 

     ሳሕቲ ብስራሕ ዘጋጥሙ ተረኽቦታት እንተዘይኮይኑ ዓሊ መን’ዩ ንዝብል ንምምላሽ ዘኽእል ኣፍልጦ ዘሎኒ ኣይኮንኩን። ካልኣይ ከኣ ምስ ስነ ሓሳብ ናይ ሰባት ደኣ’ምበር፣ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳባት ከገልግሉ ሑኽ ንዝብሉ ጭራቓት ፋዕራኦም’ውን የብለይን። ሽሕ’ኳ፣ ናይ በለጽ ኣካይድኦም ሓደገኛን ለኻኻምን ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ።

     ሕጂ እንሆ ሓደ ስሙን መንነቱን ዘይፈልጦ ወጻእተኛ ደዋላይ ብዛዕባ ብዙሕ ዘይፈልጦ ሰብ ክሓተኒ ግዜ ረኺቡ። 

     “ስለምንታይ ኢኻ ንዓሊ ክንድዚ ተገዲስካሉ?” ዝቀጸለ ሕቶይ ነበረ።

     ኣባል ናይቲ ብኸቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ ከም ምንባሩ መጠን፣ ብገበን ዘኽስሶ በደል ፈጺሙ እንተኾነ መጽናዕቲ የካይዱ ምህላዎም ሓቢሩ ኸኣ፣ ብቀጥታ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበን ናብ ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ኣተወ።

     ወርሒ መስከረም እንክዛዘም፣ ጸሓይ ኣብ ምህሳሳ ስለዝኾነት፣ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ፓሪስ፣ ፕላስ ኮሉሽ ተባሂሉ ንዝኽሪ ፈረንሳዊ ሁመሪስት ኣብ ዝተጽዐ ቦታ ኣብ እትርከብ ለ’አርያል እትባህለት ቤት ሻሂ ኣብ ግዳም ኣብ ዝርከብ ወናብር ኣጣጢሐ ሓፊስ ቡን እናሰተኹ’የ። ጸሓይ ዕራርቦ’ውን የስተማቕራ ኣለኹ። 

     ፓሪሳውያን፣ ናይ መወዳእታ ምጥላቕ ጸሓይ፣ ከም ናይ መወዳእታ ሽግራ ዝምዑግ ዘሎ ውልፉ ኣትኻኻይ ንምስትምቃራ፣ ፈቀድኡ ተጸጡሖም ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ዘፈስህ ትርኢት። ኣብዚ ፍሱህ ህሞት ከኣ’ዩ፣ ወጻእተኛ ደዋላይ ብዛዕባ ጭራቕ ምራቕ ክሓትት፣ ፍስሃ ነሲኡኒ ዘሎ።

     ደዋላይ ድሕሪ ናይ ኣስታት ርብዒ ሰዓት ቀንጠ መንጢ መልስን ሕቶን እንደገና ካልእ መዓልቲ ክድውለለይ ምዃኑ ገሊጹ ተሰናቢቱ። 

     ስለምንታይ ክንድዚ ተገዲሱ ሕጂ’ውን ኣይበርሃለይን። 

     ሞባይል ቴሌፎነይ ንዝሃቦ ምስ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ፈረንሳዊ ደዊለ ከረጋግጽ ብምሕሳብ ከኣ፣ ኣብ መዝገብ ቴሌፎነይ ንዘሎ ኣስማት ክፍትሽ ጀመርኩ።

 

     ድምጺ ቴሌፎን………………….

 

     ሃለው!

     ሃለው!

     ልሙድ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ስም እቲ ኣቐዲሙ ደዊሉለይ ዝጸንሐ ሰብ ሓቢረ፣ ስለምንታይ ኣብ ዓሊ ዓብዱ ከምዝተገደሰ ምርግጋጽ ደለኹ።

     “ዓሊ ዓብዱ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጭንቀት’ዩ ዘሎ።” መልሲ ናይ ዝሓተትክዎ ነበረ። 

     እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና። 

     ሰላም ዝናፈቐ ስደተኛ ደኣ’ምበር ሳይካይትሪስት ዘይምዃነይ እናፈለጠ ጭንቀት’ቲ ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ጎበዝ ምዃኑ ዝውረየሉ ዓሊ ምንጋሩ ግር እናበለኒ።

     “እሞ ጭንቀቱ እንተወጸሉ፣ ደጊፎም ዘየላህይዎ መታን ዘሎ ክመስሎ።” ሕጨጫ’ዩ።

     ንሱ’ውን ኣይሰሓቶን። 

     ዕላልና ሻሂ ቡን ተቛዲስዎ ርግእ ዝበለ መታን ክኸውን ከኣ ብቆጸራ ተፈላሊና፣ ቴሌፎነይ ዓጽየ ኣብ ጁባይ ሰዃዕኩ።

     ሕሳበይ ከፊለ፣ ዝተረፈኒ ስራሕ ንምጽፋፍ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ናብ እትርከብ ቦታ ስርሐይ ኣምራሕኩ።

     ኣእምሮይ ዝተፈራረቐ ስምዒታት ናይቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝነበርክዎ ኣስታት 10 ዓመታት ግዜ ቅጅል ቅጅል ክብሎ ጀሚሩ’ሎ።

     ዜና ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ሶማልን ጅቡትን ዝምልከት ዓሊ ከይርኣዮ ከይፍኖ ተባሂሉ ጽኑዕ ትእዛዝ ዝተዋህበሉ ሓደ ግዜ ዘኪረ። 

     ጀነራላት ኢትዮጵያ ብብልሽውና ተቖማጢዖም እትብል ዝተቓመመት ዜና፣ ሒዘሉ ብዝኸድኩ፣  ነገረ’ያ ኣጋጣሚ፣ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሲቪል ተኸዲኑ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብሓንሳእ ጸንሑኒ። ቀዳም’ዩ ዝነበረ። ማዕጾ ኳሕኩሐ ብዝኣተኹ ጋሻ ከምዘለዎ ኣስተብሃልኩ’ሞ ማዕጾ ንዝባነይ ዓጽየ ንድሕሪ ክምለስ መረጽኩ። ክኣቱ ጸገም ከምዘየለ ስከዝሓበረኒ ግና፣ ክርእየን ሒዘሉ ዝመጻእኩ ዜና ኣረኪበ፣ ደው ኢለ ኣብ ምጽባይ ኣተኹ።

     ዜና ብዓይኑ ሕልፍ ሕልፍ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዜናታት ግና ቀይሕ ፒሮ ኣልዒሉ ክሕንጥጥ ጀሚሩ። ወዲኡ ብዘረከበኒ፣ ናብታ ብቀይሕ ዝሓንጠጣ ነጥቢ ኣተኩረ። ኣብ ርእሲ’ቲ ዝተቓመመ ዜና ጀነራላት ኢትዮጵያ፣  

     “እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ብሕማም ኤች ኣይቪ ኤይድስ ይሳቀ ምህላዉ ተፈሊጡ።” እትብል ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ’ዩ ወሲኹ። ዓሊ ዓብዱ ኣብ ዜና ከም ድሕሪ ባይታ ዘቀመጦም ሓሳባት ወይ ከኣ ቃላት ምድግጋም ልሙድ ነበረ።

     ዝተቓመመ ጥራይ ዘይኮነ ስነምግባር ዝጠሓሰ ዜና ተሰኪመ ሕርኽርኽ እናበለኒ፣ ንዝምልከቶም ዜና ድሉው ምህላዉ ሓቢረ ናብ ጎደና ሓርነት’የ ኣምሪሐ። ዋላ’ኳ ሓርነት ይስምዓኒ እንተዘይነበረ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበራ መዓልታት ሰንበትን ሰኑይን፣ እታ ንሕማም ኢትዮጵያዊ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ እትጠቕስ ዝተለቀበት ምሉእ ሓሳባት፣ ደጊምና ከይንጥቐመላን፣ ብፍላይ ኣብ ጋዜጣ ከይትሕተምን ብጸሓፊት ዓሊ ዝነበረ ጓል ሜሪን መጠንቐቕታ ከምዝመጸ ሰሚዐ።  ንኢትዮጵያውያን ጀነራል ከተጥቕዕ ዝተሓስበት ስነ ምግባር ዝጎደላ ዜና ንኤርትራውያን ጀነራላት ዶ ኾን ጎጥያ ትኸውን? መልሲ ዘይረኸብኩላ ናይታ ዕለት ፍጻሜ’ያ።

     ከምዚታት ዝኣመሰለ ቀንጠመንጢ ኣዲኡ ትቑጸሮ። 

     ሕጂ ኸኣ እንሆ፣ “ዓሊ ተጨኒቑ ኣሎ’ሞ..” እትብል ዘይተመልአት ምሉእ ሓሳባት ንምምልኣ ንድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቆጸራ ሒዘልኩም ኣለኹ- ተቛጺርኩም ኣይበለና!

 

     ዕለተ ቆጸራ…………………

 

     ዘይተመልአ ምሉእ ሓሳብ ክምልኣለይ ዝተጸበኽዎ ፈረንሳዊ፣ ኣብ ሕምብርቲ ፓሪስ ሪፖብሊክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እትርከብ ገዳይም ጸጋማውያን ጸሓፍትን ፖለቲከኛታትን ፈረንሳ የዘውትርዋ ከምዝነበሩ ዝዝንተወላ ጥንታዊት ባር ላ ታምፕል ኮፍ ኢሉ ጸንሓኒ። ላ ታምፕል ቤት መቕድሰ ምዃኑ’ዩ። ብስም ቤት መቕደስ እትጽዋዕ ባር ስማን ታሪኻን ደኣ ዓቢ’ምበር ዝርአ ግሩም ትርኢትን ስፍሓትን የብላን። 

     ካብታ ባር ብዙሕ ከይርሓቕካ’ውን ኣብ ፈረንሳ ብጸጋማውያን ሰልፍታት ብፍላይ ሶሻሊስታውያን ብዙሕ ተነባብነት ዘለዋ፣ ሊበራስዮን ዝተባህለት ጋዜጣ እትሕተመሉ ቦታ ኣሎ። ኣንበብታ ‘ሊበ’ ኢሎም’ዮም ዘንቀባጥሩላ። ጋዜጣ ሊበ ኣብ ሰኑይ 3 መስከረም 2012 ሕታማ ክልተ ገጻት ዝሸፈነ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይታ ኣብ ፓሪስ ዝተመስረትት ሬድዮ ኤረናን ኤርትራን ምስ ገዚፍ ስእሊ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣሰንያ ምቕራባ ኣይርስዖን። 

     ሪፖብሊክ፣ እቲ ቦታ ንባዕሉ’ውን ነታ ብተደጋጋሚ ሰውራታት እትሕመስ ዝነበረት ፈረንሳ ኣገዳሲ ታሪኽ ዝሓቖፈ ምዃኑ ፓሪስ ካብ ዝዓለባሉ ዕለት ክመሃር ክኢለ’የ። 

     ቁጽሪ ሞባልይ ቴሌፎነይ ንዘይፈልጦ ሰብ ምሃቡ ባህ ከምዘየበለኒ ግዲ ተዓዚቡ ደጋጊሙ ይቕሬታ ሓተተ። ወጻእተኛ ደዋላይ ንብዙሓት ኣባላት ሚኒስትሪ ሚኒስትሪ ዜና ነበር ብፍላይ ንዓሊ ዓብዱ ይፈልጥዎ’ዮም ወይ ቅርበት ኔርዎም ንዝበሎም ሰባት ደዊሉ ከምዘዘራረቦም’ውን ከዕልለኒ እንከሎ፣ ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ ንዝብል ሕቶይ ከስዕበሉ እናተሃንጠኹ’የ። 

     ” ዓሊ ዓብዱ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዑቕባ ስለዘይሃቦ ኣብ ጭንቀት’ዩ ዝርከብ።”  መበገሲ ዕላሉ ክኸውን መሪጹ።

     “ዝበዝሐ ሰብ ግና ኣብ ኣውስትራልያ ዑቅባ ከምዝተዋህቦ’ዩ ዝፈልጥ።” ካብ ፌስቡክ ንዝኣኻኸብክዎ ተራ ዕላላት’የ ከም መርትዖ ከቕርቦ ፈቲነ።

     “ኣባል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ መርትዖ ክሳብ ዝርከብ፣ ንዘቕረቦ ፖለቲካዊ ሕቶ ነጺግዎ’ዩ መንግስቲ ኣውስትራልያ። ዓሊ ኸኣ ጉዳዩ ደጊሙ ክርአ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቐሪቡ ኣሎ። ጠብቕኡ፣ ገበን ከምዘይፈጸመ ንምርግጋጽ ብመንገዲ ሓያሎ ሰባት ሓበሬታ ይእክብ ኣሎ።….” ብዙሕ ዘድልየንን ዘየድልየንን ሓበሬታ ከም ውርጪ ሓጋይ ዘረወለይ።

     “ምክትል ሚኒስተር ዜና ነበረ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ኣውስትራልያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንኽወሃቦ፣ ክሳብ ንተቖጻጻሪ ጉጅለ ሓበሬታ ክህቦም’ሞ ኣምሳይኡ ከኣ፣ ዑቕባ ንኽረክብ ደገፍ ክጽሕፍሉ ምስ ሓደ ካብ ኣባላት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ ምስምምዑን፣ እቲ ዲነሽ ማህታኒ ዝተባህለ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ኸኣ ብውልቁ ንምሕጋዙ ተበግሶ ምውሳዱን፣ ብሰንኩ’ውን ብልሽውና ፈጺምካ ተባሂሉ ስለዝተቃልዐ፣ ካብ መዝነቱ ምእላዩን ምስቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሐ ምድውዋላት ምትሕሓዝ ክህልዎ ይክእል ዶ?”  ምስ ነሰይ’የ። 

     ስለምንታይ ከ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ፣ ብስቕታ እናሓሰብኩ። 

     ጋዜጠኛ ብምዃነይ ከይዘርዎ ግዲ ሰጊኡ ከኣ፣ 

     “እዚ ዝነግረካ ሓበሬታ ብዝተኻእለ መጠን ንዓኻ ጥራይ ግበሮ።” ተላብዩኒ።

     ሓበሬታ ምዕባጥ ንኤርትራውያን ጎዲኡና ደኣ’ምበር ጠቒሙና’ዩ ኢለ ዘይኣምን እኳ እንተኾንኩ፣ ድልየቱ ክሕሉ ኸኣ ሞያዊ ግዴታ ከምዘሎኒ ዘከርኩ። ንገለ ክፋል ናይቲ ዕላላት ክጥቐመሉ ምዃነይ ግና ኣይሓባእክሉን።

     ብዘይንሕስያ ብሁልን ዘይብሁልን ዓዘፍዘፍ ዝበልና ሓያሎ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ነበረ፣ ከይተናሳሕና ኣብ ደምበ ንጹሃን ተሓዊስና ኣሎና። ብፍላይ’ኳ እቶም ኣብ ናይ 2001  ፈታኒ መድረኽ፣ ምስ ምልኪ ከምዝወገኑ ብጽሑፋቶም ዘረጋገጹ፣ ይቕሬታ’ውን ከይሓተትሉ፣ ድሕሪ ስደቶም ካልኦት ጥራይ ኣብ ምውንጃል ዝተጸምዱ ኣይስኣኑን’ዮም። ዓሊ ዓብዱ’ውን ጸኒሑ ኣሰሮም ይስዕብ ይኸውን።

     ዓሊ ዓብዱ ገበን ፈጺሙ ዶ ኣይፈጸመ?  ንክኢላታት ሕጊ ይምልከት። ዑቕባ ይወሃቦ ዶ ኣይሃወሃቦ ኸኣ ንመንግስቲ ኣውስትራልያ። ክምልሶ ዝግባእ ሕቶታት ከምዘሎ ግና ዘግድሶም ወገን ኣለዉ።

 

    +++++

 Enda zena

     ኣብ ካልኣይ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና፣ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ንኢድ የማን ኣብ ዘሎ ኮሪደር፣ ንውሽጢ ቅድሚ ምእታው ብቀዳምነት እትረኽቦ ቤት ጽሕፈት ፈነወ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ብቋንቋ ዓፈር’ዩ ዝነበረ። ጎኒ ቋንቋ ዓፈር፣ ተር ኢሉ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኩናማ’ዩ። ፊቲ ንፊት ቤት ጽሕፈት ዓፈር፣ ቤት ጽሕፈት ዓረብ ክህሉ እንከሎ፣ ንቤት ጽሕፈት ኩናማ ፊቱ ዝርከብ ከኣ፣ እንዳ ህዝቢ እናተባህለ ዝጽዋዕ፣ ዝተጨቓጨቐ መናብርን ፋሕ ዝበለ ወረቓቕትን ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ድምጺ ሓፋሽ ቋንቋ ትግርኛ’ዩ።

     ብጋሕማጥ ኣተሓሕዙ፣ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፣ ብጽሬቱን ጽፈቱን ንናይ ኩናማ ዝወዳደር ኣይነበርን። ኣብ መላእ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ዘሎ ክፍልታት ከኣ ብጽሬቱን ግሩም ዕምባባታቱን ንቤት ጽሕፈት ተሓዚት መዝገብ ወይዘሮ ምልእተ ዝዳረግ ኣይርከብን። 

     ንድምጺ ሓፋሽ ቋንቋ ትግርኛ፣ እንዳ ህዝቢ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ጋሕማጥ ክፍሊ ካልኣይ ቤት ጽሕፈቱ ምዃኑ’ዩ። 

     ኣብ ካልኣይ ደርቢ ንየማን ኮሮደር ፊት ንፊት ኣብ ዝጥምት ክፍሊ፣ ኣብ መንበር ኮፍ ኢላ እትጸንሓካ ናይ መጀመርያ ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ወይኒ ገረዝግሄር’ያ። ወይኒ ኣባል ጥራይ ዘይኮነት ሓላፊት ናይ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ቋንቋ ትግርኛ’ውን ‘ያ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ ምስ ወይኒ ፊት ንፊት  ዝጠማመታ ክልተ መናብር ኣለዋ። ንኢድ ጸጋም እትርከብ መንበር ናይ ሰለሙን ኣበራ ክትከውን እንከላ ጎኑ ንኢድ የማን እትርከብ መንብር ከኣ፣ ብዙሕ ደኣ ኣይተቀመጥክዋን እምበር ንዓያ’ያ ተዋሂባ። 

     ጎና ነዛ ንዓይ ዝተዋህበት መንበር ከኣ ፈለማ ብግያውነት ካብ ህግደፍ ንዝመጸ ሃይለ ቢዘን፣ ድሒሩ ንኣዳላዊት መደብ ህጻናት ንዝነበረት ትዕግስቲ ፍስሃየ፣ ድሒሩ ኸኣ ንኣዳላዊ መደብ ስነጥበብ ኣማኑኤል ኣጅሬ ተዋሂባ ምንባራ እዝክር። 

     ኣብ ክፍሊ ህዝቢ፣ ኩሉቲ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ዝነበረ ኣባል፣ ደበሳይ ወልዱ፣ ጴጥሮስ መንግስ፣ ሳሙኤል ኣዶናይ፣ ገብረመስቀል ገረዝግሄር፣ ድሒራ ኣባል ሬድዮ ኤረና ዝነበረት ዮርዳኖስ መንግስቱ፣ ኣብሳራ ተወልደ፣ ኤፍሬም ግደ፣ ተስፋልደት መብራህቱ፣ መንገሻ ሃብተ፣ ቴድሮስ ማርቖስን ካልኦትን ምንባሮም ኣይርስዖምን። 

     እዚ ክፍሊ’ዚ ዋላ’ኳ ጋሕማጥ እንተነበረ ካብቲ ዝነበርክዎ ክፍሊ ዝያዳ ማሕበራዊ ህወይት ከምዝነበሮ እርድኣኒ። 

     ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ድምጺ ሓድሽ ቋንቋ ትግርኛ ሓንቲ ኮምፑተር ጥራይ ስለዝነበረት፣ እቲ ዝበዝሐ ነዛ ኮምፑተር ዝጥቐመላ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ’ዩ። 

     ነታ ኮምፑተር ንምቁጽጻራ መታን ክጥዕም ተባሂሉ፣ ሓላፊት ናይቲ ክፍሊ ወይኒ ገረዝግሔር ኣብ ዘላቶ ክፍሊ’ያ ትርከብ። 

     ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ፣ ብብዝሒ ይጥቐመላ ኣሎ ተባሂሉ ኣብ ኣኼባ ዝተነቕፈሉ ግዜ’ውን ኔሩ’ዩ። ኣባላት ናይቲ ክፍሊ፣ ኣብ ኮምፑተር ዝነበሮም ኣፍልጦ ድሩት እኳ እንተኾነ፣ እቲ ጠንቒ ቴድሮስ ማርቆስ ዕድል ከሊኡና ዝብል ነበረ። ቴድሮስ ማርቆስ ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ዓይነ-ስውር ጋዜጠኛ’ዩ። 

     ካብ ድምጺ ሓፋሽ ናብ ሬድዮ ዛራ ኣብ ዝቀየርክሉ፣ ብቀጥታ ወይ ላይቭ ቶክሾው ካብ ዝዓደምክዎም ናይ መጀመርያ ኣጋይሸይ ምንባሩ እዝክር። ምስ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ ዘካየድክዎ ቶክሾው፣ ብዙሓት ተኸታተልቲ ምርካቡ ብቀጥታ ይድወል ካብ ዝነበረ ቴሌፎናት ክንግንዘብ ክኢልና ኢና። 

     ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ፣ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ መደባት ከቕርብ እንከሎ፣ ብትሕዝቶን ኣቐራረባን ዘለዎ ምዕሩግ ድምጽን ዓይነ ስውር ምዃኑ ዝፈልጥ ዳርጋ ኣይነበረን። ናብ ዝበዝሐ ሰማዒ ከቃልዖ እንከለኹ፣ ብሓበንን ኩርዓትን’ዩ። 

     ቴዲ ከም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዶብ ሰጊሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ ደሃዩ ረኺበ ኔረ። ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ከምዘይርሓቐ ሰሚዐሉ ኣለኹ። ቴድ ፍቓደኛ እንተደኣ ኮይኑ ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ናይ ቶክሾው ርክብና፣ ደጊመ ናብ ሰማዕቲ ከቕርቦ ምደለኹ። ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘንበበ፣ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ ዝተመረቀ ምኩር ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቖስ ኣብ ህወይት ካብ ዝገጠሙኒ ሓያላት ሰባት ሓደ’ዩ።

     ዝበዝሐ ቤት ጽሕፈት ናይ ትሽዓተ ቋንቋታት ድምጺ ሓፋሽ ዝርከበሉ ቦታ፣ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ካልኣይ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና ብምዃኑ፣ ኣብቲ ኮሪደር ኣብ ዘሎ ሓደ መስኮት ንፍርቂ ሰዓት ደው ክብል ዝኸኣለ ሰብ ዝተፈላለየ ገጸ ባህርያትን ተሞክሮታትን ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ።

     ምስ ኣባላት ናይቶም ብሄራት እናበልና እንገልጾም ጋዜጠኛታት ብዝተኻእለ መጠን ግዜ ከሕልፍ ኣዝዩ ካብ ዝምስጠኒ’ዩ። ዋላ’ኳ ገሊኦም ሓደገኛታት ክኾኑ እንተኸኣሉ።

     ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንሓደ ኣባል ሓደገኛ ዝገብሮ፣ ወረ ናይ ምብጽጻሕ ርቀቱ’ዩ።

     ብዘይካ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ትግረን ዓረብን ካልኦት ቋንቋታት ርኡይ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ኔርወን። ብቋንቋ ብዳዌት እትፍኑ ሬድዮ ሕዳርብ እታ ኣውራ ዝተጠቕዐት’ያ። ዒሳ ዝተባህለ መምህር ሓባቢሎም ስለዘምጽእዎ ትንፋስ ዘሪኣ ኔራ። 

     ዒሳ ብዘይካ ቋንቋ ኣዲኡ ብዳዌት፣ ትግርኛ፣ ዓረብን ትገረን’ውን ዝመልኽ ናይ ቋንቋ በዓል ጸጋ’ዩ። 

     32 ሰባት ዝቐተለ ፍጻሜ ኣልማማ ግፋ ዓዲ ኣቤቶ ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጡ ሱዳን ከምዝኣተወ ብያሁ መሰንጀር ከዕልለኒ እንከሎ ድራማ ብዝመስል መልክዕ’ዩ። 

     ገበን ፈጺሙ ዶ ኣይፈጸመን?  ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ይወሃቦ ዶ ኣይወሃቦ? ብቀንጠ መንጢ ዛዕባ ኣልዒልናዮ ዘሎና ዓሊ ዓብዱ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ብዛዕባ’ዚ ናይ ዓዲ ኣቤቶ ፍጻሜ ዝሃቦ ምላሽ ዒሳ ከምዘይሰምዖ ኣዕሊሉኒ’ዩ። 

     ዒሳ ሓባቢሎም ደኣ ኣምጺኦም’ምበር ብቀደሙ’ውን ልቡን ቀልቡን ዘንበረሉ ሞያን ቦታን ሲ ኔርዎ’ዩ።

     ዓፈር ብተዛማዲ ዝሓሸ ዓቕሚ ሰብ ክርከቦ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ናይ ክፍሊ ሬድዮ እኳ እንተነበረ፣ ናይዚ ክፍሊ’ዚ ጸገም ንሓድሕዶም ዘይቃደው፣ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ብዝረኸብዎ ዝተሃራረሙ ኣባላት ኔሮሞ’ዮም። ሓላፊት ናይቲ ክፍሊ ገዲም ተጋዳሊት ሳዕድያ’ውን፣ ብቴስታን ብጉስጢ ንምጥምጣም ሰናፍ ከምዘይነበረት ዘይርስዖ’ዩ።

     ኣብ ክፍሊ ሬድዮ ብድሲፕሊንን ጽፈት ኣተሓሕዛ ቤት ጽሕፈትን ከም ኩናማ ኣይነበረን። 

     ሙሳ ሲላ፣ ማርታ፣ ሳንቲና፣ ቱራ ኩባባ፣ ኣጎስቲኖ፣ ራሄልን ኣሰናይን ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኩናማ’ዮም። ጽሙእ ነብሲ ዝነበሮ ተጋዳላይ ጀብሃ ሙሳ ሲላ ሓላፊ ናይታ ኣሃዱ’ዩ። ሙሳ ሲላ ኣብ ጀብሃ ሓላፊ ናይ ገበን መርመራ ኮይኑ ብዙሕ ግፍዕታት ዘውረደሎም ናይ ጀብሃ ተጋደልቲ ከዕልሉ ሰሚዐ ኣለኹ።

     ቱራ ኩባባ ጭርቓን ዋዛን ቀልድን መለለይኡ’ዩ። ጸያፍ ትግርኛ ተሓዊስዎ ኸኣ ኣፍ ዝኸፍት ዘሎ ምቁር ህጻን የምስሎ። 

     ሓደ ንግሆ’ዩ። ሙሳ ሲላ ኣባላት ጸጥታ ቃኘው ካብ ዝነበረ መንበሪ ገዝኡ ወሲዶሞ ተባሂሉ። ጽንሕ ኢሉ ኸኣ ቱራ ኩባባ ስዒቡ ተወርዩ። 

     ቱራ ኩባባ ብኣባላት ጸጥታ ክውሰድ እንከሎ ሰብ ርእይዎ ስለዝተባህለ ከምዝተኣስረ ዳርጋ ብወግዒ’ዩ ተነጊሩ። ስለምንታይ ግና ዝሓትት የለ ዝምልስ። 

     ሙሳ ሲላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቀልጢፉ ከምዝወጸን  ብድሕሪኡ ብስራሕ ምኽንያት ናብ ካልእ ከምዝተቐየረን ካልእ እዋን ከኣ፣ ሕርሻ ይሕሸኒ ኢሉ ናብ ዓዱ ወሪዱ ዝብሉ ወረታት ተነዝሑ።

     ራሄል ንዝተባህለት መምህር ነበር፣ ብግዝያውነት ናብቲ ክፍሊ ዘምጽእ ኣሃዱ ኩናማ፣ ንምኩር ጋዜጠኛን ሓላፍን ናይታ ኣሃዱ፣ ሕርሻ ስለዝመረጸ ናብ ከባቢ ቶሎጎምጃ ወሪዱ ምባል ዘእመን ኣይነበረን። ራሄል’ውን እንተኾነት፣ ነቲ ብግዝያውነት ዝተጸንበረቶ ሞያ ጋዜጠኝነት ራሕሪሓ ናብ ምምህርንኣ ክትመልስ ኣብ ኣኼባ ብወግዒ’ያ ሓቲታ። መልሲ ስለዝሰኣነትሉ ኸኣ ሓደ ረፋድ፣ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣውቶቡስ ተሰቒላ ከባቢ ቢንቢና ተራእያ ኢሎማ።

     ሙሳ ሲላን ቱራ ኩባባን ናበይ ኣበሉ? ስለምንታይ ተኣስሩ?

     ሰብን ዑንቒን ብሓደ ዓይኒ ዝርኣይሉ ሕማቕ እዋን። 

     ዑንቂ ዝያዳ ሰብ ፈርዩ ዝርኣየሉ እዋን’ውን ኣሎ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ።

     ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጽአይ ኣብ ዝነበራ ሒደት መዓልታት፣ ክልተ ዝወጹ እሱራት ምርካበይ ተስፋ ነበረ። ክልተ ወጺኦም 20 እንዶሞ ዝኣውትዉ ኮይኖም። 

     ቱራ ኩባባ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘሎ እንዳሻሂ’የ ከም ወዝቢ ረኺበዮ። ጸምልዩን ደኺሙን’ዩ ዝነበረ። ጭርቓናቱን ዋዛታቱን ግና ከም ቀደሞም። 

     ካልኣይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡ ዘረጋገጽኩ ከኣ ዳኒኤል ክብሮም ዝተባህለ ኣባል ሬድዮ ኦሮሞ’ዩ። ዳኒኤል ምስ ኣሕመድ ባህጃ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ናይ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ’ዮም ተታሒዞም። ኣሕመድ ባህጃ ኪድ ገዛኻ ተባሂሉ ብኡ ንብኡ ክፋኑ እንከሎ፣ ዳኒኤል ከኣ ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሩ። ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ካልእ ኣጋጣሚታትን ብዙሕ ዝተዘርበ እኳ እንተኾነ፣ ሓቁ ሓደ እዋን ክንጽበ ኢና። 

     ኩሉ ነገረ ኣብ ዝምስጠረላ ኤርትራ፣ ሰሚዐ ኣለኹ እናተባሃለ ዝሕለፍ ጉዳያት ብዙሕ’ዩ።

     ኣብ ክፍሊ ቋንቋታት ዓረብን ትግረን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ገዳይም ተጋደልትን ናይ ተስዓን፣ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ጉዳያትን ዘሎ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ኣባላት፣ ብዙሕ ተንኮላት ከምዝእለም’ዩ ዝዝረበሉ። ሓደ ነቲ ሓደ ኣሕሊፉ ክህብ ንቡር ተርእዮ ናይቲ ገዛ’ዩ።

     ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤሪ-ቲቪ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ። 

     ኣብ ክፍሊ ቴሌቪዥን፣ እንዳዓረብን እንዳ እንግሊዝን ‘መውዓሊ ህጻናት’ እናበሉ ዝገልጽዎ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ብዙሓት ነበሩ። ናብዘን ኣህዱታት ዝምደቡ ጋዜጠኛታት ብዕድመ ንኢሶም ዘይኮነ፣ በተሓሳስባ ምስ ቆልዑ ይምደቡ ስለዝነበሩ’ዮም ዝኾኑ። ደሓር ከኣ ብሰበይ ሰብካ፣ ብፈለጥካኒ ፈለጥኩኻ ምትእኽካብ ዝርኣየለን’የን ዝነበራ። እዚ ማለት ግና ዓንተራት ጋዜጠኛታት ኣይነበርወንን ማለት ኣይኮነን። 

     ሚኒስትሪ ዜና፣ እንዳ ህዝብን መውዓሊ ህጻናትን ዝኣመሰለ መማቕርቲ ዝሓቖፈ ዓለም’ዩ። መሳጢ ዓለም። መዘክረይ ክፈታትሽ እንከለኹ፣ ኣብ እንዳዜና ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ዘብለኒ ፍጻሜታት’የ ዝረኽበሉ። ገሊኦም ዘሕዝኑ፣ ገሊኦም ዘቃልዱ፣ ገሊኦም ዘብክዩ ገሊኦም ካዕካዕ ዘብሉ ፍጻሜታት መሊኦሞ’ዮም። ዋላ’ኳ እቲ ዝበዝሐ ዘሕዝን እንተኾነ።  

     ኣሕመድ ሲኤንኤንን ሳዕድያ ኣሕመድን ክልተ ኣባላት ናይ እንዳ ዓረብ ኤሪ-ቲቪ’ዮም። 

     ኣሕመድ ብእንዳዜን ዝተቐድሐ ናይ ቪድዮ ደኩመንት ሸጥካ ዝብል ወረ ተነዚሕሉ ካብ ዝእሰር 15 ዓመቱ ተቓሪቡ ኣሎ። 

     ሳዕድያ ኣሕመድ’ውን ናይ የመን ዘርኢ ስለዝነበራ፣ ምስ ኤምባሲ የመን ቅርበት ኔርዋ’ዮም ሓበሬታ ኣበጻጺሓ ክትከውን ትኽእል’ያ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ካርሸልን ሓዝሓዝን ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲራ። ሳዕድያ ዝወጸትሉ ዕለት ምስ ድምጻዊት ሄልን ጳውሎስ ግሩም ትርኢት ዘለዎ ሕቋፍ ዕንባባ ተሓንጊጥና፣ እንቋዕ መዋጽኦ ፈጠረልኪ ንምባል ናብ ገዝኣ በጺሕና ኢና። ኣብዚ እዋን’ዚ በዓልቲ ሓዳር ሳዕድያ ኣብ የመን ምህላዋ ኣረጋጊጸ ኣለኹ።

     ሚኒስትሪ ዜና እንዳዓረብ ክልዓል እንከሎ፣ ስሞም ማዕረ ስም እቲ ኣሃዱ ዝጥቐሱ ውሑዳት’ውን ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ሳልሕ ጀዛይሪ’ዩ። 

     ቀዳማይ ደርቢ ናይ ህንጻ ቁጽሪ ክልተ፣ ጥዑም ሽታ እንተሸቲቱ፣ ሳልሕ ጀዛይሪ ሓሊፉ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽጋራ ክስሕብ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ሓንቲ ካብተን መሳኹቲ ደው እንተ’ሉ፣ እቲ ብትምባኾን ቺካታትን ጋዕዝዩ ዝርአ ኮሪደረ ድምጺ ሓፋሽ ጥዑም ሽታ’ዩ ዝዝርኦ።

     ሓደ ክልተ ዕላላት ተለዋዊጥና ኣሎና። ብልክዕ ዘዕለልናዮ ነጥቢ ሕጂ ኣይዝክሮን። ኣብ ዓረባዊ ስነጽሑፍ ልዑል ዝምባሌ’ዩ ኔርዎ። ሽጋራ ንምስሓብ ኣብ ሓንቲ ካብ መሳኹቲ ደው እንተ’ሉ ምስኡ ትሓልፍ ግዜ መኽሰብ’ያ። ዝበዝሐ ዕላላቱ ዓረባዊ ፍልስፍናን ስነ ጽሑፍን ስለዝኾነ። 

     ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ስሙ ክጥቐስ ዘይምስማዕ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ተዘርዩ ዘሎ ሓበሬታ ጎደሎ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።

 

+++++

 Salih Jezairi

     ደቡባዊ ክፋል ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ፕላስ ኮሉሽ ዝበዝሐ ዘዘውትሮ ቦታ’ዩ። 

     ብዛዕባ ሳልሕ ጀዛይሪ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዝፈልጥኩ ኤርትራዊ፣ ገለ ክሓናጥጥ ስለዝሓሰብኩ፣ ሓበሬታ ክምግበኒ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ቦታ’ዚ ዝርከባ ኣብያተ መስተ ቡን ክጋብዞ ወሲነ።

     ፈትሒ ዖስማን’ዩ ዝብሃል። ቅድሚ ናጽነት ኣባል ማሕበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ፈትሒ ካብ ኩዌት ትምህርቲ ዛዚሙ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዉ፣ ፈለማ ኣብ ጋዜጣ ኣልሓዲሳ ድሒሩ ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ’ውን  ኣብ ፓኪስታንን ስዑዲ ዓረብን ብተኸታታሊ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበር’ዩ። 

     “መርሓብ…ኬፍ ኣልሓል…ኣህለን ዎ ሳህለን…።”  ምስ ፈትሒ ዝተለዋወጥኩወን ናይ ሰለምታ  ሓረጋት’የን።

     ቋንቋ ዓርብ እንዶ የብለይን። ሕሉበይ ንጹፈይ’ውን እዘን ዝለገስኩወን ናይ ሰላምታ ሓረጋት’የን።

     ‘ዛብጥ’  ሓላፊ ንምባል ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዝጥቐሙላ ቃል ምዃና’ውን ቅድሚኣ ኣብ ዝነበረት ዕለት ክምሃር ምኽኣለይ ዓረብኛ ዝመልኽ ዘለኹ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። 

     ፈትሒ ካብ ብትግርኛ ዝያዳ ብዓረብኛ ሓሳቡ ይገልጽ። ነዚ ሕጂ ቡን ጋቢዘሉ ዘለኹ ሓበሬታ ንምርካብ ግና ትግርኝኡ ካብ መጠን ንላዕሊ እኹል’ዩ።

     ብቋንቋ ዓረብ ክላገጽ ዝገብሮ ፈተነታት የስሕቆ’ዩ። 

     “መዓስ ኢኹም ትፋለጡ ምስ ጀዛይሪ?” እቲ ዝተረፈ ዛንታ ባዕሉ ክምልኦ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ዘንቀልክዋ ናይ መበገሲ ሕቶ’ያ።

     “ጀዛይሪ ኣብ ኣልሓዲሳ እንከሎ ኢና ንፋለጥ። ጽቡቕ ስለዝተቐራረብና ኸኣ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ስድርኡን ክፈልጥ ክኢለ።” ሰንደልደል ብዝበለ ግን ከኣ ዘይወድቕ ትግርኛ።

     “ተጋዳላይ ሻዕብያ ድዩ ወይ ተጋዳላይ ጀብሃ?” ዝኣዘዝኩዋ ቡን ዓቐነይ ሽኮር እናሕቐቕኩላ።

     ናይ ሻዕብያ ዶ ናይ ጀብሃ ዝብል ሕቶታት ኣብ እንዳዜና ከም ንቡር ዝተወስደ ሕቶ ስለዝነበረ’የ ሕንኽ ከይበልኩ ከልዕሎ ዝኸኣልኩ። 

     ሳልሕ እድሪስ ስዒድ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝዓበየን ዝተማህረን’ዩ። 

     ኣብ 1970ታት ሃዋጺ ንፋስ ገድሊ ንህዝቢ ኤርትራ ሃለዋቱ ኣጥፊኢሉ ስለዝነበረ፣ ሳልሕ’ውን ከም መዛንኡ ኣባል ማሕበር መንእሰያት ናይታ ሽዑ ዓቢ ዝና ዝነበራ ጀብሃ ኮነ። 

     ኣዳላዊ ጋዜጣ ጽጌናይ ዝነበረን ድሕሪ 2001 ደሃዩ ዘይተፈልጠን ዮሱፍ መሓመድ’ውን ዓሊ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስኡ ካብ ዝነበሩ ሓደ’ዩ።

     ሳልሕ ሓደ ካብቶም ንማሕበር መንእሰያት ጀብሃ ፖርት ሱዳን ወኪሉ ኣብ 1977 ኣብ ኣቑርደት ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተሳተፈ ምንባሩ፣ ዝና ጀብሃ ብዓይኒ ሳልሕ ጀዛይሪ ከመይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ናይ ግምት ህውተታ ኣተኹ።

     ሱዳን ዝነበሩ መንእሰያት ጀብሃ ይኹኑ ሻዕብያ ትምህርቶም ንምቕጻል ናብ ሃገራት ዓረብ ክውሕዙ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ኣብ ዝነበረ 1980ታት፣ ሳልሕ’ውን ናብ ኣልጀርያ’ዩ ኣቢሉ።

     ነገረ ኣጋጣሚ፣ ደጋፊ ጀብሃ ዓባይ ሳልሕ ናብ ኣልጀዝርያ ኣብ ዘምርሓሉ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ዋህዮታት ሻዕብያ ናይዝጊ ክፍሉ ኸኣ ናብ ኣልጀርያ ተላእከ። 

     ጉዕዞ ብባቡር፣-ካብ ናቕፋ ክሳብ ፓሪስ (http://radioerena.wpengine.com/zena/natl/1008) ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ንኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ኣብ 1977 ናብ ገድሊ ዝተቐበለን ኣብ 2002 ከኣ ዝሰጎጎን ናይዝጊ ክፍሉ ምዃኑ ነገረ ኣጋጣሚ ኣስፊረ ኔረ’የ። እንሆ ሕጂ ከኣ ነገረ ኣጋጣሚ፣ ኣብ 1980ታት ኣብ ኣልጀርያ ብወዝቢ ዝተራኸቡ ናይዝግን ሳልሕን፣ ኣሳርን ተኣሳርን ኮይኖም እንደገና ኣብ 2002 ኣብ ፎርቶ እንዳዜና ተራኸቡ።

     ሳልሕ፣ ብጋዜጠኝነት ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ ካብ ኣልጀርያ ብዝተመልሰ ናብ ህዝባዊ ግንባር ከምዝተጸንበረ’ዩ ፈትሒ ዘውግዓሉ። ዋላ’ኳ ስለምንታይ ድሕሪ ናይ ኣልጀርያ ትምህርቱ ካብ ጀብሃ ናብ ሻዕብያ ከምዝዘበለ ዘእምን መረዳእታ ከቕርበለይ እንተዘይክኣለ። 

     ነገረ ሳጓ እቶም ካብ ሃገራት ዓረብ ዝመጹ ተጋደልቲ፣ መብዛሕቶም በቲ ዝመጽሉ ዓዲ ስለዝወሃቦም፣ ንሳልሕ’ውን ካብ ኣልጀዝርያ ስለዝመጸ ሳልሕ ኣልጀዛይሪ ለገበቶ። ሊብያ እንተዝነብር ምናልባት ሳልሕ ኣልሊቢ ምተባህለ ኔሩ’ዩ። ንነገሩ ካብ ሊብያ ዝመጸ ኣሊቢ እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣባል ዜና’ውን ኔሩ’ዩ።

     ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን እስራኤል ከምኡ ኸኣ ዝምድና ኤርትራን ከም ዒራቕን ሶርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓረብን ብዝርድኦ መንገዲ ምክታዕ ዝፈቱ ስለዝነበረ፣ እዚ ንሓያሎ ካድራት ህግደፍ ደሰ የብሎም ከምዘይነበረ ኣብ ሃማመተኤ ንዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ ከም ኣብነት እናጠቐሰ፣ ጀዛይሪ ኣብ ፍልስፍናን ስነጽሑፍን ዓረብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ፖለቲካ ዓረብ’ውን ምሱጥ ምንባሩ ብዝርዝር ገለጸለይ- ፈትሒ።

     ዕላል ፈትሒ ተመስጦን ምድፍናቕን እናተፈራረቖ መጺኡ። 

     ዘውሕዘለይ ዘሎ ሓበሬታ ምጥርናፉን ምስርዑን ከየሸግረኒ ካብ ምሕሳብ፣ ኣብ ኣእምሮይ ዝተረፋ ሕቶታት ቅድሚ ምፍሳሰ፣ ኣብታ ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቕ ሰኒዳ እትርከብ ናይ መዓልታዊ መዘክረይ ብስቕታ እጽሕፍ ኣለኹ። ፈትሒ’ውን ምስማዕን ምጽሓፍን ኣብ ሓደ እዋን ከወሃህድ ዘይምኽኣለይ ተረዲኡ’ዩ ዝኸውን፣ ሰጊደሉ ካብ ዘለኹ ባይታ ወረቀት ክሳብ ዝቐንዕ ብስቕታ ተዓዘበኒ።

     ጀዛይሪ ካብታ ኣብ ቃኘው እትርከብ ብዚንጎን ኮምፔሳቶን ዝተረቓቐዐት መንበሪ ገዝኡ ናብ ሚኒስትሪ ዜና እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ መንገዲ ብኸተርዎ ጨወይቲ ኣባላት ስለያ ብኡ ኣቢሉ ከምዝጠፍአ ዘይፈልጥ ኣባል ዜና ኣይነበረን። 

     ናጻ ቀረጽ ዘእተዋ፣ ጻዕዳ ኮረላ ዝዓይነታ መኪናኡ ብዶሮና ተጎቢኣ ቅድሚታን ድሕሪታን ባይታ ንምስዓም ተቓሪቡ ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ዜና ሓያሎ ዓመታት ከምዝጸንሐት ዝዝክርዎ ኣይሰኣኑን’ዮም። ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ንታሪኽ ክኸውን ይኽእል ካብ ዝብል ሓሳብ ቁጽሪ ሰሌዳ መኪና ጀዛይሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገደፍክዎ መዘክረይ ምስናዳ ኣይርስዖን። 

     “ጀዛይሪ ስለምንታይ’ዩ ተኣሲሩ?” ቀጥታዊ ሕቶ።

     “ወላሂ እዛ ሕቶ’ዚኣ ምናልባት ዓሊ ዓብዱ’ዩ ክምልሳ ዝኽእል ዝኸውን። ናይዝጊ ከይንብል ከኣ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ’ዩ።” መታእታእ ከይበለ ዝፈነዋ ሓሳባት’ያ።

     ‘ብስጋን ብመንፈስን ሞይቱ’ዩ’ እትብል ፍልስፍና ክጥቐም ምምራጹ ኣድነቕዎ።

     ብስጋ እንተዘይኮይኑ ብነፍስን መንፈስን ህይወት ዘለዎ ተጋዳላይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣሰላሰልኩ።

     ጀዛይሪ ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ ኢትዮ-ኤርትራ፣ ኣብ ብቕዓት መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘተኮረ ዝርርባት ኣካይዱ ተባሂሉ ከምዝተኣስረ’ውን ይውረ’ዩ። እታ ኩሉ ኣባል ዜና ኣርጊጹ ዝፈለጣ ሓቂ ግና ንስራሕ ኢሉ ካብ ገዛ ምስ ወጸ፣ ኣብ መንገዲ ተጨውዩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃይ ዘይምህላዉ’ዩ። 

     ጀዛይሪ ምጥፍኡ፣ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ካልኣይ ህንጻ ዝርከብ ኮሪደር ድምጺ ሓፋሽ ጥዑም ሽታ ሓሪምዎ’ዩ። በንጻሩ እኳ ደኣ ዕለታዊ ዝኽሕን ቂምን ጽልእን ክዕብልኾ ተራእዩ።

     ደሃይ’ዮም ዘይፍለጡ እሱራት ክንደይ’ዮም? ነፍሲ ወከፈ ስድራ ስም ደሃይ ዘጥፍአ ኣባላ ብወግዒ ኣብ እትነግረሉ እዋን ጥራይ’ዩ ክፍለጥ። 

     ብማሕበር መንእሰያትን ተማህሮን ኤርትራ ካብ ሱዳን ተቖጺሩ ድራማ ክምህር ዝመጸ ሱዳናዊ ዝተኣስረሉ ዕለት ኔሩ’ዩ። ብስለያን ምስፍሕፋሕ ጀሃድን ተጠርጢሮም ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ሱዳናውያን ብዙሓት’ዮም። እዚ ሱዳናዊ’ዚ  ግና ሃይማኖትካ ካብ እስልምና ናብ ባሃይ ቀይርካ ተባሂሉ ከምዝተኣስረ’ዩ ዝጥርጠር። እዚ ሱዳናዊ’ዚ መእሰሪኡ ከይተነግሮ ክልተ ዓመት ኣብ ካርሸሊ ድሕሪ ምጽናሕ ምስተለቀ ፈትሒ ብኣካል ከምዝረኸቦ ኣረጋገጸለይ። ሓደ ካልእ ዘረጋገጾ ነገረ እንተኔሩ ኸኣ ከኣ ንኽልተ ዓመት ኣብ ዝተኣስረሉ ቦታ ሳልሕ ጀዛይሪ’ውን ንበይኑ ኣብ ሸላ ተቐይዱ ምንባሩ’ዩ። ካብዚኣ ዝሓለፈት ንሃለዋት ወይ ደሃይ ሳልሕ ጀዛይሪ እትእንፍት ሓበሬታ ዛጊት የላን።

     በዓልቲ ቤቱ ተጋዳልቲ ከድጃ ደሃይ ናይቲ ንስራሕ ኢላ ዘፋነወቶ በዓል ቤታ ካብ ዘይረኸበት፣ ከም ኩለን ሰብኡተን ደሃይ ዘጥፍኡ ኣንስቲ ኤርትራ ‘ሓንቲ መዓልቲ’  እናበለት ካብ ምጽባይ ዝሓልፍ ካልእ ኣማራጺ የብላን።

     ዑርዋ፣ ኣቡኡ ጀዛይሪ ካብ ጎደና ተዘሪዑ ክጠፍእ እንከሎ ወዲ 10 ዓመት’ዩ ኔሩ። ሕጂ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ። 

     “ደሃይ ጓሉ ጠፊኡዎ ኣሎ’ሞ ንሓግዞ።” ተባሂሉ እንተስ ናይ ሓቒ እንተስ ናይ ኣምሰሉ ምስ ዓሊ ዓብዱ ዝተደናገጹ ኣብ ፌስቡክ ርእየ ኣለኹ። ዓሊ ዓብዱ ጓለይ ደሃያ ጠፊኡ ኣሎ ኣሞ ሓግዝኑ ክብል ግና ካብ ልሳኑ ኣይሰማዕኩን። 

     እኳ ደኣ በንጻሩ፣ 

     “ደሃይ ኣቦይ ትፈልጦ እንተለካ ዓሊ ዓብዱ ተዛረብ።” ኢሉ’ዩ ዝሓትት ዘሎ ዑርዋ።

     “ኣብ ካምቻ፣ መልጎም እትኣትወላ ነዃል ብትግርኛ እንታይ ትብሃል?” ሕንቕልሕንቒሊተይ’ያ ንግዱሳት ስነ ቋንቋ ትግርኛ።

     ብቋንቋ ዓረብ ዑርዋ ከምእትብሃል ካብ ፈትሒ ተማሂረ ኣለኹ።

     እዛ መልጎም ከተእቱን ከተውጽእን ዝተሰርሐት ነዃል፣ ኣገዳስነታ ዕዙዝ ምዃኑ ንምስትብሃል፣ ካምችኦም ተመዛቢሉ ዝተለጉመ ሰባት ተዓዘቡ። ወይ ከኣ ሞላጉሙ ዝተበጣጠሰ ካምቻ ወዲኹም ሸናዕ በሉ። 

     “ሳልሕ ጀዛይሪ እሞ ንወዱ ሲ መልጎም ዝኣትወሉ ነዃል ኢሉ’ዩ ኣውጽኢሉ?” ብትርጉም ዑርዋ እናተገረምኩ’የ።

     ምድርታት ዓረብን ፋርስን ብፍልስፍናን ስነ ጽሑፍን ብፍላይ ብግጥሚ ግኑን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ’ዩ ዘለዎ። እቶም ምስዚ ዓውዲ’ዚ ሌላ ዘለኩም ድሮ ዑማር ኻያም- ሩብዓያት፣ ኻሊል ጂብራን- እቲ ነቢ….ወዘተ ክትዝርዝሩ ጀሚርኩም ትኾኑ ኢኹም።

     ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 12 ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ሳልሕ ጀዛይሪ ግና ኣብ ምድሪ ዓረብ ዝድነቐሉ መብዛሕትና ስሙ’ውን ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ካልእ ገጣማይ ኣሎ። 

     ዑርዋ ኢብኒ ኣል ወርድ። 

     ቅድሚ ምምጻእ እስልምና ኣብ ምድሪ ዓረብ፣ ዝተንጠልጠሉ ግጥምታት ወይ ሙዓላቓት ተባሂሎም ዝንበቡ ግጥምታት ካብ ዘፍረዩ ዓረባውያን ገጠምቲ ሓደ’ዩ።

     ዑርዋ ሳልሕ ጀዛይሪ ኸኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተንጠልጠለ ሃለዋት ኣቡኡ ክፈልጥ ይሓትት ኣሎ።

     ሳልሕ ጀዛይሪ ኣበይ ኣሎ?

 

ኣማኑኤል ግርማይ

(ዕባይ ኣኽርያ ካብ ጀርመን)

21 ሕዳር 2014

ፓሪስ

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0